ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ነዚ ዝሓበሩ ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ብምትሕብባር ቴሌቪዥን ትግራይን ትካል SUCCESSን ኣብ ምህዞን ፈጠራን ሳይንስ ኣዲሂቡ ዝቐርብ መደብ ”መዳይብ” ኢዩ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/352312323_2462688007264324_8937068770251165207_n-1024x576.jpg)
ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ህዝቢ ትግራይ ንምግላፁ ካብ ዝኸብድ ኣዕናዊ ኲናት ወፂእና ናብ ሃዋህዉ ሰላምን ንቡር መነባብሮን ክንምለስ ኣብ ስግግር ኣለና ድማ ኢሎም ጀነራል ፃድቃን ።
ሰፊሕ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ኢድ ወርርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከም ዘሎ ዝገለፁ ጀነራል ፃድቃን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ካብቲ ዝወረርዎ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ፣ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ትግራይን ህዝባን ክምለስን ብዕቱብ ይሰራሕ ከም ዘሎን ኣብ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ንክመፅእ ዓብይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም ።