Home ዜና ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ...

ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ኢድ ምምሕዳር ትግራይ ክኣቱ ብዕቱብ ንሰርሕ ኣሎና ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

580

ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ነዚ ዝሓበሩ ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ብምትሕብባር ቴሌቪዥን ትግራይን ትካል SUCCESSን ኣብ ምህዞን ፈጠራን ሳይንስ ኣዲሂቡ ዝቐርብ መደብ ”መዳይብ” ኢዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ህዝቢ ትግራይ ንምግላፁ ካብ ዝኸብድ ኣዕናዊ ኲናት ወፂእና ናብ ሃዋህዉ ሰላምን ንቡር መነባብሮን ክንምለስ ኣብ ስግግር ኣለና ድማ ኢሎም ጀነራል ፃድቃን ።

ሰፊሕ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ኢድ ወርርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከም ዘሎ ዝገለፁ ጀነራል ፃድቃን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ካብቲ ዝወረርዎ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ፣ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ትግራይን ህዝባን ክምለስን ብዕቱብ ይሰራሕ ከም ዘሎን ኣብ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ንክመፅእ ዓብይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም ።