Home ማሕበራዊ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት

ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት

814

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ጣብያታት መፅለሊ ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ጅቡቲ ኣብ ኣርባዕተ ጣብያታት መፅለሊ ስደተኛታት ኣስታት 35 ሽሕ ስደተኛታት ኣለውዋ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኲናት ሕድሕድን ዜጋታት ብመንነቶም ጥራሕ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝበፅሖም ዘሎ ማእሰርትን መጭወይትን ንምምላጥ ናብ ጅቡቲ ምስዳድ ከም መማረፂ ወሲደምዎ፡፡  

ኣብዘን ማእከላት መፅለሊ ስደተኛታት ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ትግራይን ኦሮምያን ይርከብዎም፡፡ እዞም ዜጋታት ኣብቲ ማእከል መዕቆቢ እኩል ምግብን ምፅለልን ብዘይምርካቦም ንዝከፍአ ፀገም ከምዝተቃልዑን ብሰንኪ ጥሜት ንሃገራት ዓረብ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ሓቢሮም፡፡

እዞም ስደተኛታት መሰረታዊ ግልጋሎት ሕክምና ብቐረባ ከምዘይረክቡን ሪፈር ንዝተፅሓፈሎም ስደተኛታት ተሓከምቲ 40 ኪሎ ሜትር ተጋዒዞም ከይሕከሙ ድማ ፀገም መጎዓዓዝያ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቐባሊ ቃል  #ቀርኒ ኣፍሪካን ዓበይቲ ቀላያትን ፌይዝ ካሲናን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብተን ማእከላት መፅለሊ ስደተኛታት ፀገም ቀረብ መግቢ ከምዘሎን እቲ ፀገም ድማ ብሰንኪ ምንሃር ዋጋ ነዳዲ ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን እኩል ቀረብ ምቕራብ ከምዘይተክኣለ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኪ ድማ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ስደተኛታት ግልጋሎት ንምቕራብ ካብ ዘድሊ በጀት ክሳብ ሐዚ 27 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣቐባሊ ቃል ፌይዝ ካሲናን ለገስቲ ብዘላቕነት ሓገዝ ክገብሩ ፀዊዖም፡፡