Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ፀገም ኣተኣላልያ ደረቕን ጓሓፍ  ስግኣት ጥዕና ይኸዉን ከምዘሎ...

ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ፀገም ኣተኣላልያ ደረቕን ጓሓፍ  ስግኣት ጥዕና ይኸዉን ከምዘሎ ተገሊፁ።

586

ነዚ ዝተሓበረ  ”ፅሪይቲ ከተማ መቐለ ንዉሑስ ጥዕናናን ጥዕና ደቅናን” ብዝብል ብምትሕብባር ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዩኒሴፍን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተገበረ ዘተ እዩ።

ብምትሕብባር ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ዩኒሴፍን ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ኣተኣላልያ ጓሓፍ ኣመልኪቱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ዘካየደ እንትኸዉን ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ኩናት ስዒቡ ኣብ ኣተኣላሊያ ጓሓፍ ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ሸለልትነትን ዘይተገዳስነትን  ከተማ መቐለ መደብር ጓሓፍ ኾይና ፀኒሓ እያ ዝበሉ  ተወካሊ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣይተ ሃይለ ፍስሃ እቲ መድረኽ ድማ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኣተሓሳሳቢ ኾይኑ ዘሎ ፀገም ኣተኣላልያ ጓሓፍ ንምፍታሕ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣድላይ ደገፍ ከምዝግበር ዝገለፁ ድማ ተወካሊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኬኤለ ሓጎስ ኢዮም።

ከተማ መቐለ ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ፅሪይትን ተብሃጊትን ከምዝነበረት ዝገለፁ ሓላፊ ጉዳያት ማይን ፅሬትን ዩኒሴፍ ኣብ ትግራይ ፊሊፕ ኣቲኖ  ሕዚ እዉን ጽሬት እዛ ከተማ  ናብ ንቡር ንምምላስ ዩኒሴፍ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኾይኑ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም።

ተሳተፍቲ  እቲ ዘተ ብግዲኦም ፅሬት ከተማ መቐለ ንምሕላዉ ቁፅፅር ክካየድ ከምዘለዎን ተሳትፎ መድረግቲ ኣካላትን መናእሰይን ዘካተተ ስራሕቲ ክዉገን ይግባእ ኢሎም።

ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ዝረአ ዘሎ ፀገም ኣተኣላልያ ጓሓፍ ብመሰረቱ ንምፍታሕ ናብ መስረሕ ከምዝእቶን ነዚ ዘየተግብር ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝዉሰድን ተሓቢሩ።

ፅሬት ከተማ መቐለ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ካብ መሰከረም 12 /2016 ዓ/ም ጀሚሩ ወፍሪ ፅሬት  ከምዝሳለጥ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን