Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ዕላዊ ኾይኑ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ዕላዊ ኾይኑ።

241

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወረርቲ ሓይልታት ከም ህዝቢ ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት ተፈፂሙልና እዩ፤ ሳላ ሓድነትና ኣስጢምና ዝተቓለስና ግና ኣብዚ በፂሕና ኣለና በሉሞ እቲ ዝህነፅ ፋብሪካ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ እወንታዊ ምንቕቓሕ ቁጠባ ዝፈጥር ከምዝኸውን ኣይንጠራጠርን ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ብወገኖም ከምቲ ብሓባር ኣብዚ ብርኪ ዝበፀሐ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ ፤ ሐዚ ውን ኣፈላላያት ብምፅባብ ከምዚ ፋብሪካን ካልኦት ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፁ ትካላትን ኣብ ምህናፅ ኩሉ ክረባረብን ካብ ዕንወት ናብ ልምዓት ክንስጋገርን ፀዊዖም።

እቲ ኣብ ከከተማ መቐለ ንክህነፅ ዕላዊ ዝተገበረ መፍረይ ሓፂን ብልዕሊ 6 ቢልዮን በጀት ዝስራሕን ኣብ ቀዳማይ ዙር ንሰለስተ ሽሕ ዜጋታት ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ፕሮጀክት ምዃኑ ዝገለፀ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ሚስተር ሉ ላን ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ብርኪ ንክበፅሕ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝተገበረ ተበግሶን ሓገዝን ብምንኣድ እቲ መፍረይ ሓፂን ናይ ከባቢ እታወታት ስለዝጥቀምን ናይ ትግራይ ኣታዊ ሓፍ ዘብልን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምምፃእ እውን ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎ ሓቢሮም።

ህንፀት እቲ ፋብሪካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ከምዝዛዘም ትልሚ ተታሒዙ ከም ዝርከብ ዝገለፀ ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ገብረመድህን ኹለመዳያዊ ህንፀቱ ድማ ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምረድዳእ ከምዝትግበርን እታወታቱ እውን ምስ መስፍን ኢንዳሰትርያል ኢንጅነሪንግ ሚኢቲ ምኢታዊ ክፍሊት ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ