ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወረርቲ ሓይልታት ከም ህዝቢ ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት ተፈፂሙልና እዩ፤ ሳላ ሓድነትና ኣስጢምና ዝተቓለስና ግና ኣብዚ በፂሕና ኣለና በሉሞ እቲ ዝህነፅ ፋብሪካ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ እወንታዊ ምንቕቓሕ ቁጠባ ዝፈጥር ከምዝኸውን ኣይንጠራጠርን ኢሎም።
ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ብወገኖም ከምቲ ብሓባር ኣብዚ ብርኪ ዝበፀሐ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ ፤ ሐዚ ውን ኣፈላላያት ብምፅባብ ከምዚ ፋብሪካን ካልኦት ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፁ ትካላትን ኣብ ምህናፅ ኩሉ ክረባረብን ካብ ዕንወት ናብ ልምዓት ክንስጋገርን ፀዊዖም።



እቲ ኣብ ከከተማ መቐለ ንክህነፅ ዕላዊ ዝተገበረ መፍረይ ሓፂን ብልዕሊ 6 ቢልዮን በጀት ዝስራሕን ኣብ ቀዳማይ ዙር ንሰለስተ ሽሕ ዜጋታት ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ፕሮጀክት ምዃኑ ዝገለፀ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ሚስተር ሉ ላን ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ብርኪ ንክበፅሕ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝተገበረ ተበግሶን ሓገዝን ብምንኣድ እቲ መፍረይ ሓፂን ናይ ከባቢ እታወታት ስለዝጥቀምን ናይ ትግራይ ኣታዊ ሓፍ ዘብልን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምምፃእ እውን ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎ ሓቢሮም።
ህንፀት እቲ ፋብሪካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ከምዝዛዘም ትልሚ ተታሒዙ ከም ዝርከብ ዝገለፀ ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ገብረመድህን ኹለመዳያዊ ህንፀቱ ድማ ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምረድዳእ ከምዝትግበርን እታወታቱ እውን ምስ መስፍን ኢንዳሰትርያል ኢንጅነሪንግ ሚኢቲ ምኢታዊ ክፍሊት ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።
ብሳሙኤል ገብረታትዮስ