Home ዜና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 300 ተምሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪፆም።

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 300 ተምሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪፆም።

614

—-

ኤፍሬም ዘካርያስ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሽረ እንዳ ስላሰ ፥ ተምሃራይ 11 ክፍሊ እዩ። ዝመሃረሉ ዝነበረ ህንፃታት ፤ ተፈናቐልቲ ወገናት ተዓቂቦምሉ ብምህላዎም ኣብ ዳስ ክመሃር ተገዲዱ። ትምህርቱ ብ ስርዓት ክከታተል ከም ዝፅገምን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ውሕስነት ከም ዘይብሉን ገሊፁ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ሓፁር ስለዘይብሉ ፥ ንስርቅን ባእስን ይቃልዑ ከም ዘለዉ ዝገለፀ ተምሃራይ ኤፍሬም ፣ መጠን ሙቐት እታ ከተማ ልዑል ብሙዃኑ ብቴንዳን ቆርቆሮን ኣብ ዝተሰርሐ ዳስ ምምሃር ከቢድ እዩ ክብል ገሊፁ።

    ሮማን ሰለሙን እውን ተምሃሪት 11 ክፍሊ ክትከውን እንከላ ፥ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቓፍታ ሑመራ ፣ ብ ሓይልታት ፅንተት ምስ ተፈናቐለት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ትርከብ። ኣብ መዕቖቢኣ ተሕልፎ ዘላ ዓፀባ ከዪኣክል ፥ ትመሃረሉ ዘላ ቤት ትምህርቲ እውን ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ሓዊሱ ምቹውነት ብዘይምህላዉ ተወሳኺ ፀገም ኴይንዋ ከምዘሎ ትሕብር።

   ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሽረ እንዳ ስላሰ ዝርከቡ ልዕሊ 1,700 ተምሃሮ ኣብ ዳስን ቆርቆሮን ተሓፂሮም ይመሃሩ ኣለዉ ዝበሉ ድማ ምክትል ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር በሪሁ ኣብርሃ እዮም። ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 300 ተምሃሮ በዞም ፀገማት ትምህርቶም ከም ዘቋረፁን ገለገለ ተምሃሮ ድማ ብ ዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት የምርሑ ከም ዘለዉ እውን ሱፐርቫይዘር ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ከተማ መምህር ገብሩ እዝዝና ሓቢሮም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ወለድን መምህራንን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሽረ እንዳ ስላሰ ፥ ኣይተ ጒዕሽ ሃይለ ብወገኖም ፤ ንተፈናቐልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ሰኣን ምምላስን ናውቲ ትምህርቲ እውን ስለ ዘይተማለአን ንምቹውነት ትምህርቲ ማሕለኻታት  ኾይኖም ከም ዘለውን ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ብ ህፁፅ ክትግበር ይግባእ ኢሎም።

#ኤፍሬም_ረደሀይ