Home ስፖርት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየድ ዘሎ ሻምፕዬና ብሽክሌታ ባንኪ ወጋገን ሰሉስ እውን...

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየድ ዘሎ ሻምፕዬና ብሽክሌታ ባንኪ ወጋገን ሰሉስ እውን ብኽልተ ውድድራት ተሳሊጡ

82

ሻምፕዬና ብሽክሌታ ባንኪ ወጋገን

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየድ ዘሎ ሻምፕዬና ብሽክሌታ ባንኪ ወጋገን ሰሉስ ውን ብኽልተ ውድድራት ቀፂሉ ተሳሊጡ። 130 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነን ብርቱዕ ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉን ውድድር ከተማ ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት 40.72 ኪሎ ሜትሮ ተሓምቢቦም። ብውልቅኡ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ሓበን ዳኘው ብዝለዓለ ፀብለልታ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ።

ምስ ሓበን ዳኘው ኣብ ቅድሚት ብምዃን ነቲ ውድድር ድምቀት ዝሃቦ ኣምበስ የማነ ካብ ፕሮጀክት ሃይለመለኮት ወልደኣብየዝጊ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ፈፂሞም። ሓበን ዳኘውን ኣምበስን የማነን ካብቶም ኣብ ካልኣይ ጉጅለ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ብኽልተ ደቒቓ ብምቕዳም እዮም ብልዑል ፀብለልታ ተዓዊቶም። ብተመልከቲ እውን ናእዳ ውሒዙሎም እዩ።

ኣብ ካልኣይ ጉጅለ ካብ ዝነበሩ እኩባት ተወዳደርቲ ፈንፂሑ ብምውፃእ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ ብሽክሌተኛ ድማ ገብረመድህን ገብረእግዚኣብሄር ካብ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ እዩ። ብጋንታ ፕሮጀክት ሃይለመለኮት ወልደኣብየዝጊ ተዓዊታ። ጋንታታት ትራንስ ኢትዬጲያን ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ወልዋሎን ብቕደም ሰዓብ ኻልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዝዛዘማ ጋንታታት እየን።

ብውድድር ማውንቴን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኢለኒ ብርሃነን በላይነሽ ደስታን ክልቲአን ካብ ፕሮጀክት ሙሉብርሃን ብቕደም ሰዓብ ተዓዊተን። ሄርሜላ መብራህቱ ድማ ካብ ከተማ ኣኽሱም ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ። ሻምኘዬና ብሽክሌታ ባንኪ ወጋገን ዕለተ ረቡዕ ብምቕፃል ብማውንቴን ደቂ ተባዕትዮን ብኮርሶ ደቂ ኣንስትዮን ውድድር ከተማ ከተኣናግድ እዩ።መበገስን መዛዘምን እቲ ውድድር ኣብ ጎደና ኒቀዲሞስ ተስፋይ እዩ ክካየድ።

ገ/ሄር ታደለ