Home ዜና ኣብ ወረዳ የጭላን ከተማ ዓብዪ ዓድን ዘሎ ሰፊሕ ፀገም መስተ ማይ ንምፍታሕ...

ኣብ ወረዳ የጭላን ከተማ ዓብዪ ዓድን ዘሎ ሰፊሕ ፀገም መስተ ማይ ንምፍታሕ ዘኽእል ዩኒሴፍ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናዉቲ መሳርሒ ማይ ከምዝሓገዞም ቢሮ ማይ ኢነርጅን ትግራይ ገሊፁ።

368

ነበርቲ ወረዳ የጭላን ቁሸት ኣደዋን ብስእነት ምግብን ማይን ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ወዲቆም ከምዘለዉን ሓደጋ ድርቂ ኣብ ዘጋጠሞ ቦታ ነዊሕ መንገዲ ምጉዕዝ ተደራቢ ፀገም እዮ ይብሉ።
ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሞጎስ ገ/እግዛብሄርን ተወካሊ ዳይሬክተር ቀረብ መስተ ማይ ኣይተ ገ/ሚካኤል ገ/ክርስቶስን ኣብ የጭላን ከተማ ዓብዪ ዓድን ዘሎ ፀገም ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናዉቲ ኣቁሑ ከም ዝሓገዞምን እቶም ተረኺቦም ዘለዉ ሓገዛት ብቀሊሉ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘይርከቡን ንቀፃሊ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዝሕግዙ ምኻኖም ‘ዉን ኣረዲኦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ወረዳ የጭላ ኣይተ ደስታ መንግስቱ ብወገኖም ኩናት ዘስዐቦ ድርቂ ሕብረተሰብ ብስእነት ማይ ንዝለዓለ ፀገም ተቃሊዑ ከም ዘሎን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ ድማ ንተበፃሓይነት ዝሕግዝ እዮ ኢሎምጨ።

ሓለፊ ዩኒሴፍ ጨንፈር ትግራይ ማትዮ ፍሮንትኒን ኣብ የጭላ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕፅረት ቀረብ ማይ ዘለዎም ከባቢታት ትግራይ እውን እቲ ሓገዝ ከም ዝቅፅል ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ እቲ ሓገዝ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓብይዓዲ ዝተወሃበ እንትኸዉን እቲ ናዉቲ መሳርሒ ማይ ኣብ ጥቅሚ ምዉዓሎም ክትትል ከም ዝግበር ወኪል ዩኒሴፍ ጨንፈር ትግራይ ፕሊፕ ኦትሪኖ ኣብቲ እዋን ገሊፆም።

ኣስቴር ገ/ስሉስ