Home ዜና ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ተፈተላለዩዝተፈላለዩ ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪካ ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ።

ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ተፈተላለዩዝተፈላለዩ ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪካ ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ።

447

ሎሚ 25 ሓምለ 2015 ዓ/ም ኣማስዩ ሰዓት 2 :15  ምሸት ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፣ ኤርትራን ሱዳንን ፅዕንቶ ዝነበሮ ብሬክተር ስኬል 5.6 መጠን ዝነበሮ ከቢድ ርዕደ መሬት ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ ።

ኣብዚ ዙርያ መፅናዕቲ ዝገብር ማእኸል ምርምር ጂኦ ሳይነስ ጀርመን  (GFZ) ከምዝገለፆ ካብ ምፅዎዕ 65 ኪሎ ሜትሮ ብኣንፈት  ደቡባዊ ምብራቕ  ዝተሰምዐ ርዕደ መሬት ኣብ ከባቢታት ቐርኒ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሱዳንን ፅዕንቶ ዝነበሮ መጠኑ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝተመዝገበ ከቢድ ዝበሃል ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ እዩ ።

እቲ ርዕደት ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ሽረ፣ ሰለኽለኻ፣ ኣኽሱም፣ዓድዋ፣ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ሓውዜን ከባቢኡን፣ኣፅቢን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይ ከቢድን መጠናውን ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ ኣሎ።

ቴሌቪዥን ትግራይ እቲ ዘጋጠመ ርዕደት መሬት ዘብፀሖ ሓደጋ ከይህሉ ሓበሬታታት እናኣከበ እንትኾን ዛጊድ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ድማ ኣብ ዞባ ማእኸል ጥራሕ ኣብ ኩሉ ወረዳታት መሬት ምንቅጥቃጥ ተራእዩ ዛጊድ ዝበፅሐ ሓደጋ ከምዘየለ ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ሰለሙን መዓሾ ሓቢሮም።

ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ