Home ዜና ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ዘመዝገብክዎ ውፅኢት ሎሚ ዓመት ኣብ ሃንጋሪ ንምድጋም ጠንኪረ...

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ዘመዝገብክዎ ውፅኢት ሎሚ ዓመት ኣብ ሃንጋሪ ንምድጋም ጠንኪረ እሰርሕ ኣለኹ- ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ

1023

እዋኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነይሩ ደሃይ ወለዳ ካብ ዘይትረክብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኣሜሪካ ናብ ዝተሰናድአ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘምረሐት።

በቲ ግዘ  ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኩነታት ስድራኣ ትፈልጠሉ ዝኾነ ይኹን መራኸቢ ብዘይምንባሩ ኣብ ከበድ ፅዕንቶ ኮይና ናብቲ ውድድር ዘምረሐት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ከቢድን ፅንክሩን ግዘ እውን እንተኾነ ኒሒን ሓቦን ትግራዋይነት ሰኒቖም ዓወት ከም ዘምዝግቡ ንዓለም ኣመስኪራ። ብተሳተፈትሉ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ ኮይና ብምዝዘም ጎብለል ዓለም ኮይና ኢያ።

ሐዚ እዚ ታሪኻዊ ፍፃመ ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ ኣብ ከቢዲን ፈታኒን ግዘ ኮይና ንዓወት ዝበቐዐት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ በቲ ርሕቐት ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ጎብለል ንምዃን መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ እተእንግድ ሃንጋሪ ክተምርሕ ዕድመ መዓልታት ጥራሕ ተሪፍ ኣሎ።

ደጊማ ንኻልኣይ ዓመት ጎብለል ንምዃን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልምምድ ከም እትርከብ ዝገለፀት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብቲ ውድድር ውፅኢታዊት ንምዃን ዝተፈላለዩ ዓይነት ስልጠና ትወስድ ምህላዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውፅኢታ ንምዕቃብ ዝከኣላ ኩሉ ከም እትገብር ድማ ገሊፃ።

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውፅኢት ንምምዝጋብ ካብ እትገብሮ ዘላ ምድላው ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኢዳ ዝነበረን ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኬንያዊት ኣትሌት ፈይዝ ኪፕዮጎን ተታሒዙ ዘሎ ክብረወሰን 5 ሽሕ ሜትር ደጊማ ናብ ባዕላ ንምምላስ ድሕሪ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ከም እተካይድ ሓቢራ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝሳለጥ ውድድር ማራቶን ተዓዋቲት ንምዃን ጠንኪራ ከም እትሰርሕ እውን ገሊፃ።

ኣሰልጣኒ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሃይለ እያሱ ብወገኑ ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፋ ተጋሩ ኣትሌታት ፅቡቕ ውፅኢት ንኸመዝግቡ ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ ብምሕባር ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ እውን ኣካል እዚ ብምዃን ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለምን ሲዒቦም ኣብ ዝሳለጡ ካልኦት ውድድራትን ዝሓሸ ውፅኢት ንኽተመዝግብ በርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ ገሊፁ።

ብክብሮም ተሰፋይ