Home ዜና ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም

ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም

518

ማእኸል ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ኣካዳሚ ቋንቋ ትግራይን ኣብቲ ዓውዲ ብሓባር ክሰርሑ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕ ሎሚ ተፈራሪሞም። ኣብቲ ኣብ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ብኣፋን ኦሮሞ ዝተፅሓፉ ዛንታታትን ቅርስታትን ብመልክዕ ዉህብቶ ንኣመራርሓ ኣካዳሚ ቋንቋ ትግራይ ተዋሂቦም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ኣይተ ዝናቡ ኣስራት ቋንቋታት፣ ባህልን ታሪኽን ክልቲአን ክልላት ንምዕባይ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፈ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ድሪባ ተፈራ ድማ ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ እንትኾኑ ክኢላታት እቲ ኢንስቲትዩት ብዛዕባ ኣፋን ኦሮሞ፣ ባህልን ታሪኽን ኦሮሞ ብዝምልከት ናይ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶ/ር ዳኒኤል ተኽሉ እቲ ኣካዳሚ ኣብ 2008 ዓ.ም ዝተመስረተ ምዃኑ ብምግላጽ ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንኽኾኑ ዝተፈላለዩ መፅናዕትን ምርምራትን ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ምስ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ብምትሕብባር ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ሕውነትን ሃገራዊ ሓድነትናን ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ድማ ኢሎም ዶ/ር ዳኒኤል ተኽሉ። ኣካዳሚ ቋንቋ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስራሕቱ ክሰርሕ ከምዘይከኣለ ዝዝከር ኮይኑ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞ ድማ ነቲ ማእኸል ከምዝድግፍ ቃል ከምዝኣተወ ማዕኸን ዜና ኢቲቪ ፀብፂቡ።