Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

70

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ስሩዕ ኣኼብኡ የካይድ ኣሎ ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘሳልጦ ዘሎ ኣኼባ መቐፀልታ ነቲ “ውድብና ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቅዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ በቢርኩ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ዝተኻየደ መድረኻት ገምጋም እዩ ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ዝዝተየሎም ጉዳያት ብምፅዳቕ ዝጀመረ ኮይኑ ካብ ጉባኤ ክሳብ ጉባኤ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ዘትዩ ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ።

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ በቢ ብርኩ ዝተገበሩ ገምጋማት መሰረት ገይሩ ንባዕሉ ክርኢን ኣብ ካልኦት ተወሰኽቲ ኣጀንዳታት ተመያይጡ ውሳነታት ከሐልፍን ትፅቢት ከምዝግበር ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድብ ኣመላኺቱ።