Home ዜና ኤልሻዳይ ሪልፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን ኣብ ህንፀት ወለዶ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ...

ኤልሻዳይ ሪልፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን ኣብ ህንፀት ወለዶ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡

559

እቲ ትካል ከምህሮም ዝነበረ ነበርቲ እቲ ከባቢን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም ዝመፁ ዜሮ ክፍሊ ዝመሃሩ ህፃናትን ኣመሪቑ፡፡

ተምሃሮ እቲ ትካል ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ተማህሮም ናብ ምረቓ ዝበፅሑ እንትኾኑ መፃእ ብሩህ ተስፋ ዘለዎምን ተረከብቲ ዓዲን ኮይኖም ህዝቦምን ስድርኦምን ንምግልጋል ሕልም ከምዘለዎም ይገሊፁ፡፡

ወለዲ እዞም ህፃናት ተምሃሮ ብወገኖም ድሕሪ እዚ ኩሉ ፀበባ ደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣትዮም ናብ ምረቓ ምብፅሖም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ንቐፃሊ እውን ኣብ ዝልዓለ ብርኪ ንክበፅሑ ካብ ወለዲ ዝጥለብ ድጋፍን ክትትልን ከምዝገብርሎም ገሊፆም ፡፡

ትካል ኤልሻዳይ ሪልፍ ኤንድ ዴቨሎፕመን ኣሶሴሽን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲነታት ዝበፅሐ ማህሰይቲ ተፃውሩ ካብ ዜሮ ክፍሊ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ንተመዛበልቲ ሓዊሱ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እናሳለጠ ፀንሑ እዩ ፤ ንቐፃሊ እውን ወለዶ ንምህናፅ ዝተፈለለዩ ምድላዋት ከምዝተወገነ ዳይሬክተር ትምህርቲን ስልጠናን ኤልሻዳይ ኣይተ ተስፋይ ኣፅብሃ ገሊፆም ፡፡

ሕልሚ ህፃናት ጋህዲ ኣብ ምግባር ግደ ወለዲን መምህራንን ዝልዓለ እዩ በዚ ድማ ኤልሻዳይ ወለዶ ንምህናፅ ካብ ትምህርቲ ካልእ ኣማራፂ የለን ብዝብል ተበግሶ ኣብ 2016 ዓ.ም ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ እውን ከምዝጅምርን ንተምሃሮ እውን ምግብና ከምዝህብ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ የማነ ወልደማርያም ገሊፆም ፡፡

በላይ ሽፈራው