Home ዜና ውሽጢ ዓዲ እዋናዊ መግለፂ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን

እዋናዊ መግለፂ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን

136

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ፀገም ፀጥታ፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዉራ መዓድንን መፍትሒ ክረክብ ዝምልከቶ ኣካል ሓላፍነቱ ክፍፅም ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን ፓርቲ ፀዊዑ።

እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ብሰንኪ ዘይምውሓስ ፀጥታ ኣብ ትግራይ ቅትለትን ክትራንን ከምኡ እውን ከም ጭውያ ዝበሉ ዘይተለመዱ ገበናት ይረአዩ ከምዘለዉን ስግኣት ደሕንነት ህዝቢ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾኑን ገሊፁ።

ነቲ ፀገም ንምፍታሕን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን መሓውር ፀጥታን ደሕንነትን መንግስቲ፣ ውዳበታት ደቂኣንስትዮ፣ ዲያስፖራን ፖለቲካ ውድባትን ዓብዩ ሓበራዊ ቓልሲ ክገብሩ ፀዊዑ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ትግራይ ኣብ ዘሎ ሃፍቲ ወርቂ፣ ሳፋየር፣ ኦፓልን ኻልኦት ክቡራት መዓድናትን ዝረአ ዘሎ ውራ ሓደገኛን ቐፃላይ ስግኣት ፀጥታ ትግራይን ምዃኑ ብምሕባር ሃፍቲ ትግራይ ብስርዓት ክመሓደርን ንረብሓ ህዝቢ ክውዕልን መንግስትን ኩሉ ብዛዕባ ትግራይ ዝግደስ ኣካል ክፅዕር ኣገንዚቡ።

ኣብ ከባቢ ጉሎመኸዳ ዘሎ ድርቂ ዝወለዶ ጥሜት ቅልጡፍ ምላሽ ክውሃቦ፣ ተመዛበልቲ ወገናት መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ናብ መረበቶም ክምለሱን ብሰንኪ ሰራዊት ሻዕብያ ሓደጋ ህልውና ኣንፀላልይዎ ዝርከብ ህዝቢ ኢሮብ ውሕስና ዝረኽበሉ ኩነታት ክመቻቾን ዝምልከቶ ኹሉ ክሰርሕ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን ፓርቲ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።