Home ዜና ኦሮሞ ዘግለለ ፖለቲካ ኣይዕወትን

ኦሮሞ ዘግለለ ፖለቲካ ኣይዕወትን

1247

ኣብ ትግራይ ዝተስዓረ ሓይሊ፤ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ኣግሊሉ ከምዘይዕወት ዶክተር ረጋሳ ኦልጂራ ገሊፆም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ቃልሲ ኦሮሞ ንምጥፋእ ይሰርሑ ምህላዎም ዝገለፁ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ወፃኢ ዶክተር ረጋሳ ኦልጂራ፤ ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝሰዓረ ህዝቢ ትግራይ ዓርሰ-ምሕደርኡ የሳልጥ ምህላዉ ሓቢሮም፡፡ 

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ ኢትዮጵያ ብምፍሳስ ደምን ምፍንቓል ህዝብን ትፍለጥ ምህላዋ ዝገለፁ ዶክተር ረጋሳ ኦልጂራ፤ ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቕ ብስም ኢትዮጵያ ተገዚቱ ዘካየዶ ጀኖሳይድ ከም ከምዘይተዓወተን፤ ብኣንፃሩ ዓርሰ ምሕደራ ህዝቢ ትግራይ ይቃላጠፍ ምህላዉን ኣመላኺቶም፡፡

ኣብ ትግራይ ግዚያዊ ፀገማት፣ ጥሜትን ዓፀባን እኳ እንተሃለወ ህዝቢ ትግራይ ቀስ ብቐስ ምምሕዳራዊ ስርዓቱ ይሃንፅ ምህላዉ ዘማላኸቱ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ኦሮሞ ኣብ ወፃኢ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስ መንግስቲ ትግራይ ሰላማዊ ዘተ ክገብር ዝሓሰበሉ ምኽንያት ድማ ተገዲዱን ኩነታት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለ ዝኾኖን እዩ ኢሎም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ገበቲ ሓይልታት #ኣምሓራን፤ #ህወሓት ኣጥፊኦም ህዝቢ ትግራይ ክበታተን ዝወጠንዎ ወራር ብፅኑዕ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝተመከተን ሓይሊ ትግራይ ልዕሊ ግምት ወረርቲ ሓይልታት ኮይኑ ምህላዉን ዝጠቐሱ ዶክተር ረጋሳ፤ ኣብ ትግራይ ዘይተዓወትሉ ኲናት ኣብ ልዕሊ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ሕነ ንምክሕሓስ ይጓየዩ ምህላዎም ሓቢሮም፡፡