Home ዜና “ዝተወረረ 30 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ሃፍተይ ፅባሕ ከጥርዮ እየ፤ ፀላእተይ ከጥፍእ ድማ...

“ዝተወረረ 30 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ሃፍተይ ፅባሕ ከጥርዮ እየ፤ ፀላእተይ ከጥፍእ ድማ ይቃለስ አለኩ” ተመዛባሊ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ደስታ ተክሉ

1338
0

ኣይተ ደስታ ተኽሉ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ኣደባይ ነባሪ እዮም ኔሮም፡፡ ኣብ’ታ ዞባ ንዓመታት ፅዒሮም ግዒሮም ዘጥረይዎ ሃፍቲ ብጉጅለ ፋኖ ተወሪሮም ሕዚ አብ ከተማ ሽረ እንዳስለሴ ተዓቍቦም ተስፋ እንከይቆረፁ ሕዚ እውን በታ ዘላቶም ሃፍትን ጉልበትን ይቃለሱ ኣለዉ።

ኣይተ ደስታ ኣብ’ቲ መፃብብ እዋን ብመኪንኦም እናመላለሱ ክሳዕ 40 ሽሕ ዝግመት ተመዛባሊ ካብ ሞት ከምልጥን ናብ ዝደለዮ ቦታ ከዕቁብ ብነፃ ኣገልጊሎም ህይወት ኣሽሓት ወገናት ኣድሒኖም እዮም። እዞም በዓል ሃፍቲ ብ5 ሚልየን ብር ዝተዓደገት ናይ ፅዕነት መኪንኦም ኣብ መከተ እናሃለወት ብፀላእቲ ተቃፂላ እያ በዚ ተስፋ ከይቆረፁ ሕዚ ድማ ዘላቶም ናይ ፅዕነት ኣይሱዚ መኪና ንመከተ ምምሕዳር ምዕራብ ትግራይ ሂቦም ዛጊድ ኣብ’ዚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣስታት 600,000 ቅርሺ ዝግመት ግልጋሎት ሂባ ሕዚ እውን ትቅፅል ኣላ።

ከም ኣብሃህላ  ኣይተ ደስታ ሃፍቲ ብዘይካ ህዝብን ሰላምን ዋጋ ስለ ዘይብሉ ኣብዛ ቁርፂ እዋን ህዝብኻን መንግስትኻን ምሕጋዝ ድርብ ሓላፍነትን ግቡእን ከም ዝኾነ ይዛረቡ። ኣይተ ደስታ ኣብ ወፃኢ ጉዳይ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣይተ ኣዲስኣለም ዝበሃል ወዶም ዶላር ፏሽሽታውያን ይቅረየኒ ኢሉ ኣሰር ስድርኡን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ሕዚ ኣብ  ሰሜን ኣሜሪካ ተወካሊ ዝምድናታት ትግራይ ኮይኑ ምስ ኣሕዋቱ ዲያስፖራ ትግራይ ኮይኑ ቃልሲ ዲፕሎማሲ ትግራይ ከዕውት ለይትን ቀትርን ይቃለስ ኣሎ፡፡ ቃልሲ ስድራ ኣይተ ደስታ ድማ መርአያ ስሙር ግንባር መከተ ተጌሩ ክውሰድ ዝግብኦ ዕውት ተመኩሮ እዩ ።

ኣብ ስራሕቲ ንግድን ኢንቨስትመንት ሕርሻን ዝተዋፈሩ ኣይተ ደስታ እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ 1,500 ኩንታል መሸላን 150 ኩንታል ሰሊጥን ሓዊሱ ልዕሊ 30 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ሃፍቲ ብጉጅለ ፋኖ ተወሪሮም እናሃለዉ  ኣብ  ውሽጦም ዘሎ ናይ ቃልሲ ወነን ፅንዓትን   ዘገርም እዩ ፀላእትና ስዒርና እቲ ዝጠፍአ ሃፍቲ አብ  ዝሓፀረ እዋን ክነጥርዮ ኢና ዝብል ፅኑዕ እምነትን መርገፅን እዩ ዘለዎም፡፡

ሕልሚ ኣይተ ደስታ ሰሚሩ ፀገሞምን ፀገም ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከም ዝፍታሕ ድማ እመነትና እዩ።

ብጎይተኦም ተከሰተ                                

Previous articleኦሮሞ ዘግለለ ፖለቲካ ኣይዕወትን
Next articleሓባሲ ዝሰኣነ ንብዓት