Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ከይዕደል ዝተገበረ ሓገዝ እኽሊ

ከይዕደል ዝተገበረ ሓገዝ እኽሊ

93

ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ 13 ወረዳታት ዝበፀሐ እኽሊ ከይተዓደለ ንኽፀንሕ ወሲኑ!

ብህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝተዓደገ 25,000 ኩንታል እኽሊ ናብ ወረዳታት ምብፅፃሕ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ክሳብ ትማሊ ናብ 13 ወረዳታት ዝተጓዓዐዘ እንትኸውን ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝተበላሸወን ትሕቲ ውዕል ዝኾነ ፅሬት ዘለዎ እኽልን ስለዝተረአየ ንህዝቢ ምዕዳል ጠጠው ንኽብል ከምዝወሰነ ብምግላፅ ኩሎም እኽሊ ዝበፀሖም ወረዳታት ክፍትሹን ሪፖርት ንኽገብሩን መልእኽቱ ኣሕሊፉ::

ኣካል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ዝኾነ ኮሚቴ ክትትልን ቁፅፅርን እውን ካብ ፅባሕ ንጉሆ ጀሚሩ ኣፍተን ቦታታት ብኣካል ብምኻድ ምፅራይ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ውዕሊ ነቲ እኽሊ ከቕርብ ጨረታ ዝሰዓረ ነጋዳይ ትሕቲ ውዕሊ ዝኾነ ፅሬት ይኹን ዝተበላሸወ እኽሊ እንተተረኺቡ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ክቕይሮ ግቡእ ከምዘለዎ እቲ ኮሚቴ ኣመላኺቱ።

ነዙይ መሰረት ገይሩ እውን ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ቐረባ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝህብ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊፁ ኣሎ::

ቴሌቭዥን ትግራይ ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ናብ 26 ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ሓገዝ እኽሊ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ኢሉ ፀብፂቡ ምንባሩ ይዝከር።