Home ዜና ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ ኣብ ምርግጋዕ ዕዳጋን ኣብ ምዕባይ ቁጠባዊ ዓቕሚ...

ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ ኣብ ምርግጋዕ ዕዳጋን ኣብ ምዕባይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሕ/ሰብን ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

593

ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ምንቕቓሕ ቁጠባ ሕ/ሰብን ዕዳጋ ኣብ ምርግጋዕን ዝለዓለ ግደ ኣለወን ኣብ ቀረባ እዋን ናብዚ ዓውዲ ዝተፀምበረት ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ እውን መሰረታዊ ሸቀጣት ብዝተመጣጠነ ዋጋ ብምቕራብን ኣብ ምዕባይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሕ/ሰብን ዝሓሸ ምንቅስቃስ ትገብር ከምዘላ ገሊፃ።

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ እትርከብ ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ ካብ ትምስረት 4 ኣዋርሕ ዘቑፀረት እንትትኾን እዛ ማሕበር ዛጊድ ልዕሊ 400 ኣባላትን ልዕሊ 4 ሚልዮን ካፒታልን ወኒና እያ።


እታ ማሕበር ሕ/ሰብ ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዘለዎ ግንዛበ ንምዕባይ፣ዕዳጋ ንምርግጋዕ፣ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንምፍፃምን ዕላማ ሒዛ ከምዝተመስረተት ኣባል ቦርድ ኣመራርሓ እታ ማሕበር ወ/ሮ ብርኽቲ ዕቋር ገሊፀን።

ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ ቀፃሊ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ማእኸል ሃገር ምስ ዘለዋ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ተሓባቢራ ንምስራሕ ትንቀሳቀስ ከምዘላ ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር ኣይተ ልኡል ወ/ገብርኤል ሓቢሮም።

ፀገም ሕ/ሰብ ኣብ ምቅላል ንዝሰርሓ ከምዚአን ዝበላ ማሕበራት ንምጥንኻር ከም ክፍለ ከተማ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣይተ ሙሉጌታ ገሰሰው ገሊፆም።

ምዕራፍ ገ/ፃዲቕ