
ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ምንቕቓሕ ቁጠባ ሕ/ሰብን ዕዳጋ ኣብ ምርግጋዕን ዝለዓለ ግደ ኣለወን ኣብ ቀረባ እዋን ናብዚ ዓውዲ ዝተፀምበረት ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ እውን መሰረታዊ ሸቀጣት ብዝተመጣጠነ ዋጋ ብምቕራብን ኣብ ምዕባይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሕ/ሰብን ዝሓሸ ምንቅስቃስ ትገብር ከምዘላ ገሊፃ።
ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ እትርከብ ኩለመዳያዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር መሶብ ካብ ትምስረት 4 ኣዋርሕ ዘቑፀረት እንትትኾን እዛ ማሕበር ዛጊድ ልዕሊ 400 ኣባላትን ልዕሊ 4 ሚልዮን ካፒታልን ወኒና እያ።


