Home ዜና ኩነታት ወራር ዕሰለ ኣንበጣ ዞባ ምብራቕ

ኩነታት ወራር ዕሰለ ኣንበጣ ዞባ ምብራቕ

1100

ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣጋጢሙ ከም ዝወዓለ ኣማኻሪ ዘፈር ቁጠባ እቲ ዞባ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ሓቢሮም።

ከም ሓበሬታ ኣይተ ኣታኽልቲ ድማ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ወረዳ ጉሎምኻዳ ጣብያ ፍረ ዳሽም፣ ኣብ ኢሮብ ጣብያ እንዳሞሳ ዝወዓለ ኮይኑ ገሊኡ ንኣራዕ ጣብያ ሰበያን ዝተረፈ ድማ ናብ ሳዕስዕ ተሓዊሱ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ወረዳ ሱብሓ ሳዕስዕ ናብ ጣብያታት ገብለን ማርዋን ካብ ትማሊ ምሸት ዕለት 03/12/15 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ኣይነዲብ ዝኣተወ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ 04/12/15 ዓ/ም ኣብቲ ዝሓደረሉ ኣብ ዝራእትን በለስን ሓያል ጉድኣት ኣብፂሑ ከም ዘሎ ገሊፆም።

ካብ ዕለት 4 ነሓሰ ንጎሆ ጀሚሩ ክሳብ 8:30 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ጣብያታት ታሕታይ ዝባን ቁሸት ግራሑፃ፣ ጣብያ ሳዕሲዕ ቁሸት ታሕታይ ቢዔራ፣ላዕላይ ቢዔራ፣ዓንዛ ሰራዋት፣መኺዶ፣ማይ ራዛን ኣትዩ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ጣብያ ኮማ ሰውሓ ቁሸት መነወት፣ ኣብ ጣብያ ሓ/ሓዱሽ ህይወት ድማ ቁሸታት ጉዕጉና፣ጣቆት፣ሙዕጉማ ፣ጣብያ ሓዱሽ ዓዲ ቁሸት ሰድዋ፣ጣብያ በለሶ ድማ ቁሸት ደንገላት ኣትዩ ብወፈራ ህዝቢ፣ኣባላት ፀጥታን በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ጣብያን ወረዳን ብዝገበሮ ጨፍጫፍን ምብራርን ናብ ሰለስተ ሸነኽ ተኸፋፊሉ ከም ዘሎ ብምሕባር ሓደ ኽፋል ንወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሓንጎዳ ፣ ኣግኣዚ፣ሓድነት ናብ ወረዳ ሓውዜን ድማ ግራዓረሰ በፂሑ ከም ዘሎ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣብሪሆም።

ካልኣይ ክፋል እቲ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ብወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ማይ መገልታ ፣ኣግኣዚ ገይሩ ናብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ሳዝ ዝኣተወ እንትኾን እቲ ሳልሳይ ክፋሉ ንወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ሳሱን በፂሑ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሰንደዳ ቁሽት ቅለትን ጣብያ ራዕኢለን፣ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ላዕላይ ዓዲቅሳንደድ ባሕራ ዝነበረ ከቢድ ዕሰለ ኣብ መንጎ እትን ወረዳታት ብዝተገበረ ዝተዋደዱ ፅቡቓት ስራሕቲ ጫፍጫፍን ምብራርን ካብ ጣብያ ሓድነት፣ዛሬማ፣ ዓዲ መሳኑ፣ ሓበስ ፣ ድባብ ዓኾሬን ብምእታው ሐዚ ኣብ ድባብ ዓኾሬን ቁሸት ዓዲ ጋፉፍ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣብያ ሓየሎም ኽሳብ ቁሸት እንዳማይኖ ሸፊኑ ከም ዝርከብን ናብ ካልኦት ከባቢታት እውን ተዛሙቲ ክሓድር ከም ዝኽእል ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ብስለኪ ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ ገሊፆም፡፡

ተኽለወይኒ ኪዳነ