Home ዜና ኩዕንቲ ኳ ተሓሲሙና

ኩዕንቲ ኳ ተሓሲሙና

836

ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ዝርከባ 6 ጣብያታት ንሓደጋ ድርቂ ከም ዝተቓለዓን ብሰንኪ ድርቂ ዝወለዶ ጥሜት ዛጊድ ልዕሊ 67 ወገናት ከም ዝሞቱ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ገሊፁ፡፡ ኣብቲ ወረዳ ዝርከባ 6 ጣብያታት ማርዋ፣ወልዋሎ፣ሰውነ ፣ገብሌን፣ታሕታይ ዝባንን መስሑልን ንሓደጋ ድርቂ ዝተቓለዓ እየን፡፡

ወ/ሮ ኣብረሀት ካሕሳይ ነባሪት ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ጣብያ ማርዋ እየን። እዘን ወላዲት ኣዶ 6 ቆልዑ እንትኾና ንዓመታት ፍርያት እኽሊ ዝረኽባሉ ዝነበረ መሬተን ብሰንንኪ ሕፅረት ዝናብ ንሓደጋ ድርቂ ተቓሊዑ ፍረ ክህብ ኣይከኣለን፡፡

እዘን ወላዲት ህይወተንን ህይወት ደቀንን ንምድሓን ዘለወን መማረፂ ኣብ ሰናይ ግዜ ማእቶት ዝረኽባሉ ዝነበረ መሬት ምስ ደቀን ኮይነን እንትኹዑታ ረኺበናየን፡፡ መሬት ክፍሕራ ዘገደደየን ድማ ትንፋስ ስድረአን ንምቕፃል ዘለወን ኣማራፂ ኩዕንቲ ንምእራይ ከም ዝኾነ እዩ ዝገለፃልና፡፡

ኩዕንቲ ምርካብ እውን እንተኾነ ዕድል እንተገጢሙካ ከም ዝኾነ እዩ ልቢ ብዝሰብር መልክዑ ዝተዛረባና፡፡ እቶም ደቀን ድማ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ኣብ ምእራይ ኩዕንቲ ክውዕሉ ከምዝተገደዱ እዩ ዝዛረቡ፡፡ከም ኣብነት ናይዘን ኣዶ ገሊፅና እምበር ነበርቲ ጣብያታት ማርዋን ገብሌንን ካብ ህፃናት ክሳብ ተምሃሮ ካብ ጠዋሪ ዘይበሎም ሽማግለታት ክሳብ ነብሰ-ፁራት መዓልታዊ ህይወቶም ከድሕኑ ኣብ ምእራይ ኩዕንቲ ተዋፊሮም ይርከቡ፡፡

ህይወትና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት እዩ ዝርከብ ዝበሉ ነበርቲ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊ ኣካላትን ሰብ ሃፍትን ብህፁፅ ክረድኡና ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣማሓዳሪ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ መምህር ብርሃነ ኣባይ ብስንኪ ደርቂ ዝወለዶ ጥሜት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ንምትን ሕሱም ጥሜትን ተቓሊዑ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ብምግላፅ ካብ መስከረም ክሳብ ሐዚ 67 ወገናት ህይወቶም ከምዝሓለፈን እቲ ገጢሙ ዘሎ ሓደጋ ህፁፅ መፍትሒ እንተዘይደኣ ተገይርሉ ዘብፅሖ ሓደጋ ካብዚ ክኸፍእ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ዝምልከቶም ኣካላት ደገፍ ክገብሩ ፀዊዖም፡፡

ብወገን እንስሳት ድማ በቲ ገጢሙ ዘሎ ድርቂን ሕሱም ጥሜትን ልዕሊ 1700 እንስሳት ከም ዝሞታ መምህር ብርሃነ ኣፍሊጦም፡፡ ኣብቲ ወረዳ ብምኽንያት ድርቂ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ከም ዘለውን ኣብ ጣብያ ማርዋ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ብሓደጋ ደርቂ ተዓፅያ ከም እትርከብ ተገሊፁ፡፡

ሃፍታይ ባህረ