Home ትንታነ ኪሳራታትን መኽሰብን  ኵናት ዓድዋ

ኪሳራታትን መኽሰብን  ኵናት ዓድዋ

447

ኪሳራታትን መኽሰብን  ኵናት ዓድዋ

ውግእ ዓወት ዓድዋ ዝተዓወተ ብዋናነት ብዕጡቃት ዘይዕጡቃትን ሓርበኛታት ተጋሩ ንዕኡ ብዝመርሑ ዝነበሩ ጀጋኑ እኒ በዓል ራእሲ ኣሉላን ኮይኑ ከም ድልየት ሓርበኛታት ትግራይ ግን እቲ ውግእ ክሳብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ባፅዕ ጠሊቁ ጣዕልያን ካብ መሬት ሓበሻ ተፀራሪጉ ክወፅእ ገይሩ፡፡

ይኹን እንበር ብንጉስ ምኒሊክ ዝምራሕ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ክቅፅል ከምዘይደለየ እዩ፡፡ ብፅገ ሃይለማርያምን መዝገበ ወ/ገብሪኤልን ኣብ 2008 ዓ/ም መስተንክር ኣብ ዝብል መፅሓፍ ገፅ 14 ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ይጠቅሱ፡፡

እተመ ፅሓፍቲ ከም ዝጠቅስዎ እንተኮይኑ እቲ ዓወት ኣብ ዓድዋ ተኸፊሉ ምትራፍን ህዝቢ ትግራይ ዘገረመ ክስተት ኮይኑ ድሕሪ ዓወት ኵናት ዓድዋ እቲ መከራ ንህዝቢ ትግራይ  ተደርብዩ  ጣልያን ድሕሪ  ኣርብዓ ዓመታት ብ1928 ዓ/ም ተጠናኺራ ከምእንደገና ንኢትዮጵያ ንኽትወርር ዕድል ከምዝሃበ እዮም ኣብቲ መፅሓፍ ዝሰነድዎ፡፡

ውግእ ዓድዋ ዋላ እኳ ንመላእ ፀሊም ኣፍሪካ ብናፅነት ናይ ምንባር መልእኽቲ ዘሕለፈ ዋላ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ክዋረድ እንተገበረ ኣብ ህዝቢ በትግራይ ዝገደፎ በሰላ ግን ቀሊል ከምዘይነበረን እቲ ኵናት ኣብ ትግራይ ብምክያዱን ቀለብ መላእ ዓቃይታይ ሰራዊት ምኒሊክ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ስለዝዓረፈን ተወሳኺ ብሰራዊት ጣልያን ተጨፍጪፉን ሃፍተ ገነቱ ብምምንዛዕን ብምውራርን ንኸቢድ ማሕበረ ቁጠባ ቅልውላው ከምዝተሳጥሑ መፅሓፍ መስተንክር ገፅ 14 ኣስፊሮሞ ይርከብ፡፡

 መምህር ገ/ኪዳን ደስታ  እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ሕዳር 2005 ዓ/ም ኣብ ዘሕተምዎ መፅሓፎም ካብ ገፅ 411 ክሳብ ገፅ 412 ከምዝገለፅዎ እንትኾይኑ ፡ትግራይ ኣብ ዘበነ ሃፀይ ሚኒሊክ ፈፂማ እያ ተደምሲሳ ዝለመዐ ዓዲ ኣይትረክብን ኣብ መላእ ትግራይ ድኽነት ስለዝሰፈነ ትግራይ መዐንደሪት ዓመፀትን ከታሮን እያ ኾይና አብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ብሰላም እትነብር እታ ዘይተዓደለት ትግራይ ግን ኣደዳ ሸፋቱን ከታሮን ኮይና ህዝቢ ትግራይ ሓሚቁ ክተርፍ  ዝኽእል ነንርእሱ ክሰማማዕ ስለዘይኸኣለ እዩ፡፡ ሃፀይ ሚኒሊክ   ድማ ንህዝቢ ትግራይ ከምህዝቦም ገይሮም ኣይራኣይዎን፡፡

ኣብ መሬት ትግራይ ሸፊቶም ሓረስቶት  እናበሳበሱ እናቐተሉ ዝነብሩ ከታሮ ኵሎም ምሕረት ሓቲቶም ምስ ኣተውሎም እንደገና ሸይሞም ሸሊሞምንትግራይ ይልእኽዎም ከምዝነበሩ መምህር ገ/ኪዳን ኣብ መፅሓፎም ኣስፊሮምዎ ኣለዉ፡፡

ውግእ ዓድዋ 23 ለካቲት 1888 ዓ/ም ተወለዐ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ምስ ባሻይ ኣውዓሎም ብዝፈጠርዎ መርበብ ሰበያ ወጋሕታ ሃንደበት ብኩሉ ኩርናዓት ነጎድጋድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትጣልያን እንትወርድ ጀነራላት ጣልያን ከእምኑ ኣይካኣሉን፡፡

 ኩሉ ነገር ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ተገረሐ ንጉስ ምኒሊክ ክተት ተባሂሉ ዝመፀ ዓቃይታይ ሰራዊት እውን ብፅሒቱ ከበርክት መፅሓፍ መስተንክር 2008 ዓ/ም ኣብ ገፅ 14 ከምዘስፈሮ ብድሕሪ ኵናት ዓወት ዓድዋ ገና ህዝቢ ትግራይ ከይጠዓሞ ንሕማም ጥምየት ሞት ከርፋሕ ድኽነት ከምዝተሳጥሐ ብመፅናዕቲ ኣደጊፎም ነቲ ሓቂ ዝገልፁ ብዙሓት ምሁራት ከምዝጠቀሱ እዩዝፍለጥ፡፡  ካብ ማሕበር ታሪክ ትግራይ ዝቐርብ መፅናዕቲ እውን ነዚ ዝገልፅ እዩ፡፡

መዋእል ራእሲ ኣሉላ እንግዳ /ኣባነት/ ንመበል 100 ዓመት በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ዝተዳለወ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም 1988 ዓ/ም ድሕሪ ኵናት ዓድዋ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ገፅ 242 ንኣቤ ዋይልድ ዝተብሃለ እንግሊዛዊ ፀሓፊ ታሪኽ ንዓይኒ ምስክርነቱ ጠቂሱ መምህር ሙሉወርቅ ኣብ መፅሓፍ ከምዘስፈሮ ኣንበጣ ኩሉ ዝራእቲ ወዲእዎ ዳርጋ ሰለስተ ኢድ ዝኸውን እንስሳ ዘቤት ጥሪት ሓረስቶት ብሕማም ተወዲአን፡፡

ኣብ ርእሲ እዚ ዝናብ ኣዝመራን ክረምትን ጠሊሙ ህዝቢ ናብ ዝኸፈአ ጥምየት እናኣተወ ምስ ከደ ንምግላፅ ዘፀግም ሕማም ፌራ ተዛሚቱ፡፡ሞት ፈቆድኡ ኣንፀላልዩ ሙሉእ ስድራቤታት ክበርሱ ከም ጀመሩ ቃል ምስክርነት ኣቤ ዋይልድ የመላኽት፡፡

መምህር ገ/ኪዳን ደስታ እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ኣብ ዝብል መፅሓፎም ንህዝቢ ትግራይ ከም ምዕዶ ዝበልዎ ፈቆዶ ግድሚ ሽንጥሮ ዝወደቁ ኣዕፅምቲ ጀጋኑ ከይወግኡና ሕማም ሕርሲ ተረሳዒ ከምዝባሃል ክርሳዕ  የብሉን ይብሉ እሞ ፡፡

ብኻሊእ ኣዘራርባ ንባህልኻ፣ቋንቋኻ ፣ታሪኻ ስነ ጥበብ ህዝብኻ ብሄራዊ ሓድነትካ ከምሓደ ሰብ ኮንካ ልዑል ኣቃልቦ ሂብካ ምንቅስቃስ ንህልውና ህዝቢ ትግራይን ስጡም ሓድነት ህዝብታትን ወሳኒ እዩ ይብሉ፡፡