Home ዜና ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት 50 ሚልየን ቅርሺ መዲቡ...

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት 50 ሚልየን ቅርሺ መዲቡ !!

342

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 16 ሕዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዩ።

ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ማእኸል፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ምኽንያት ብዘጋጠመ ጥምየት ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ዝገምገመ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል 50 ሚልየን ቅርሺ መዲቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ከም ትግራይ መጠባበቒ ዝበሃል ገንዘብ ስለዘይለ ካቢኔ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል ዝመደቦ ካልኦት መደባቱ በምዕፃፍ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዘፅንዑ ክኢላታት ናብተን ሓያል ድርቂ ዘጋጠመን ከባቢታት ልኢኹ ከምዝነበረ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ ከቕርብ በዘይምኽኣሉ ህዝቢ ትግራይ ንከምዚ ዝበለ ክፉእ ኩነታት ከምዝተቓልዐ ገሊፁ።

ማሕበረሰብ ዓለምን መንግሰቲ ኢትዮጵያን ድርቂ ብዝፈጠሮ ጥምየት ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ጉቡኦም ንክፃወቱ እውን ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ። ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብናን እውን ፀገም ህዝብና ንምቅላል ዝክኣሎ ንክገብር ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ፃወዒቱ የቕርብ።

እዚ ካቢኔ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ታሪፍ ኣፈፃፅማ መሸጣን ውህብቶን ናይ ከተማ ገዛ ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ መምርሒ ድሕሪ ምርኣይ ዝተወሰነ ምትዕርራይ ተገይርሉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ወሲኑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ተኸልከ‍ኢሉ ዝነበረ ዝውውርን መሸጣን ተሽከርከርቲ ንምልዓል ዝቐረበ ረቂቕ መምርሒ ብዝርዝር ዝራየ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ተነቢሩ ዝፀንሐ ክልከላ ኣልዒልዎ ኣሎ።

ከም ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ