Home ዜና ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፣ ዕስለ ኣንበጣ ከብፅሖ...

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፣ ዕስለ ኣንበጣ ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ሓይሊ ዕማም ክጣየሽ ወሲኑ።

546

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 22 ሓምለ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፣ ዕስለ ኣንበጣ ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣሕሊፉ።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ መዋሰንታት ክልል ዓፋር ዝርከባ ወረዳታት ዕስለ ኣምበጣ ከም ዝተርኣየ ዝገምገመ እቲ ካቢኔ፣ ብካቢኔ ሴክሪታሪያት ስግግር ልምዓት ቁጠባ ዝምራሕን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዘካተተ ሓይሊ ዕማም(Task Force) ክጣየሽ ወሲኑ ኣሎ።

ብተዛማዲ ንስራሕ ዘድሊ ባጀት ክምደብ ኣንፈት ዘቐመጠ እቲ ካቢኔ፣ መናእሰይ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ሰራዊት ትግራይ፣ በቢደረጅኡ ዘሎ ሞያተኛ፣ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ትግራይ ከባቢኡ ብትኹረት ክከታተል፣ መንግስቲ በቢ እዋኑ ብዝህቦ ሓበሬታ መሰረት ድማ ድልዊ ክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።