Home ዜና “ካብ ብጥሜት ሞት ኣድሕኑና” ፦ኣዴታት ነበርቲ ወረዳ ጣንቋምላሽ

“ካብ ብጥሜት ሞት ኣድሕኑና” ፦ኣዴታት ነበርቲ ወረዳ ጣንቋምላሽ

982

ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ብዘካዶ መፅናዕቲ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁ 95 ሚኢታዊ ህዝቢ እታ ወረዳ ኣብ ዓፀባ ከምዘሎን ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮን ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ነበርቲ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ከተማ ሰለ ዝኾና ወ/ሮ ወርቀይ ኣስመላሽን መራሒት ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ዝኾና ወ/ሮ ፅጌ ዘስላሰን፤ ቅድሚ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ቤተሰበን ካብ ሕርሻ ይገብሩለን ብዝነበሩን፤ ሓላሓሊፉ ውን ብመንግስቲ ይግበሩለን ብዝነበሩ ሓገዛት ይናበራ ከምዝነበራ ብምሕባር ሐዚ ግና ኹሉ ስኢነን ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዝርከባ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ምድረ ሰማይ ፀልሚትወን ዝተኩብ እንተረኺብና ንድረር ፤ እንተዘይሃልዩ ድማ ፆመና ንሓድር ኣለና ኢለን።

ኣብታ ወረዳ 95 ሚኢታዊ ህዝቢ ኣብ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ ብርኪ ጥሜት ከምዘሎን ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁ ልዕሊ 20 ሚኢታዊ ህዝቢ ኣብ ግዱድ ጥሜት ከምዝርከብ እውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣይተ ይኩኖኣምላክ ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።

ገበርተ ሰናይ ፣ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ብሓባር ነቲ ዘሎ ፀገም ተገንዚቦም ካብ ብጥሜት ሞት ኣድሕኑና” ክብላ እተን ኣዴታት ፃውዒት ኣቕሪበን።

እቲ ዘሎ ዓፀባ ኣመያ ከቢድ ከም ዝኾነን ህፁፅ መፍትሒ እንተይዘተቐሚጥሉ ግና እቲ ፀገም ዝኸፈአ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ኣይተ ይኩኖኣምላክ ገብረሚካኤል ኣተሓሳሲቦም።

ሳሙኤል ገብረታትዮስ