Home ዜና ካብ ክልል ዓፋር ጣብያታት ኣይነዲብን ማዕቦን ዝተበገሰ ዕሰለ ኣንበጣ ኣብ ጣብያ ሰውነ...

ካብ ክልል ዓፋር ጣብያታት ኣይነዲብን ማዕቦን ዝተበገሰ ዕሰለ ኣንበጣ ኣብ ጣብያ ሰውነ ቁሸት መንጌላ ፍሉይ ሽሙ ዓደጋ ሰውነ፣ምዕራፍ ታቦት፣ማንጋዳፎ ብብዝሒ ዓሪፋ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

2037

ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ዓፋር ተበጊሱ ኣብ ወረዳ ሶብሓ ሳዕስዕ ጣብያ ሰውነ ፍሉይ ቦታ ዓደጋ ሰወነ ኣትዩ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ሕ/ሰብ ብዝተወደደ ሰራሕ ጨፍጫፍ ኣካይድሉ ካብቲ ከባቢ ከይተንቀሳቐሰ ሓዲሩ እዩ።

ሎሚ ዕለት 25/11/2015 ዓ.ም ኣብታ ወረዳ ካብ ክልል ዓፋር ጣብያታት ኣይነዲብ፣ማዕቦ ዝተበገሰ ተወሳኺ ዕሰለ ኣብ ጣብያ ሰዉነ ቁሸት መንጌላ ፍሉይ ሽሙ ዓደጋ ሰውነ፣ምዕራፍ ታቦት፣ማንጋዳፎ ዝተብሃሉ ቦታታት ብብዝሒ ዓሪፋ ከም ዘሎ ኣማኻሪ ዘፈር ቁጠባ እቲ ዞባ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ድማ  ብድሕሪት ኣብ ክልል ዓፋር ሐዚ ውን  ፍሉይ ሽሙ ታማሮባ፣ ታኒሳ፣ ኣንቱርዳጋ፣ ዒንደሊ፣ ዳሎ፣ ሳሳቶን ሞጋዒማን ክሳብ ዓራዕ መስመር እውን ዝተጠናኸረ ገዚፍ ዕስለ ኣንበጣ ምህላው ሓበሬታ ከምዘሎን ኩለን ምስ ክልል ዓፋር ዝዳቦባ ጎረባብቲ ወረዳታት ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ካብ ክልል ዓፋር ተበጊሱ ተደጋጋሚ ናብ ትግራይ ጥሐሱ ክኣቱ ዝፍትን ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ብዝተዋደደ ስራሕቲ ንምምካትን ዝራእቲ ሓረስታይ ካብዚ ወራር ንምክልኻልን ኩሉ ሕብረተሰብ ክሳተፍን ሰብ ሃፍቲ
እውን ድጋፍ ክገብሩን ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ