Home ማሕበራዊ ክልከላ ስነ-ስርዓት ሓጂ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ

ክልከላ ስነ-ስርዓት ሓጂ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ

4880

 ኣስሓባታትን ጓል ነብይ ሙሓመድን ተቐቢላ ዘተኣናገደትን ኣብ ምስፍሕፋሕ እምነት እስልምና ልዑል ተራ ዝፈፀመትን ትግራይ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ጀኖሳይድ እንትፍፀማ ሃገራት ዓረብ ሱቕ ኢለን ምርኣየን ፍፁም መሕዘኒ ምዃኑ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣንቢርዎ ብዘሎ ዕፅዋ ኣብዚ ዓመት ኣመንቲ እስልምና ትግራይ ካብ ዓለም ስነ-ስርዓት ሓጂ ከይፈፀሙ ክቐርዩ ከምዝገበሮም እውን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ሽኽ መሓመድ ካሕሳይ

ኣስሓባታት ተቐቢላ ዘተኣናገደትን መሰረት ምስፍሓፋሕ እምነት እስልምና ዝኾነትን ትግራይ   ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈፀመን ይቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድን ሃገራት ዓረብ ዘይምኹናነን መሕዘኒ ምዃኑ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ሙሓመድ ካሕሳይ ገሊፆም፡፡

ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ክዓኑ ፣ መራሕቲ ሃይማኖታ ክጭፍጨፉ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ትግራይ ተጠናኺሩ ይቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ ጠጠው ንኽብል እተን ሃገራት ዓረብ ክሰርሓ ከምዝግባእ ሸኽ ሙሓመድ ካሕሳይ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትግራይ ክሳብ 150 ዝኣኽሉ ተኸተልቲ እቲ እምነት ክሕጅጁ ትልእኽ ምንባራ ዘዘኻኸሩ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ሙሓመድ ካሕሳይ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ብሰንኪ ኲናት ፋሽስታውያን ኣብዚ ዓመት ድማ ብሰንኪ ዕፅዋ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ከም ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ልዕሊ 18 ሽሕ ኮታ ትግራይ ከይተጠቐመትሉ ክትሓልፍን ካብ ዓለም ስነ-ስርዓት ሓጂ ከይትፍፅም ከምዝተኸልከለትን ኣብሪሆም፡፡

ኣመንቲ እስልምና ትግራይ በቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ማሕበረሰብ ዓለም ተገንዚቡ ተግባራዊ ስጉምቲ ንኽወስድ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ  ክቃለሱ ከምዝግባእ  ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ ምዒዶም፡፡

ተኸተልቲ እምነት እስልምና ትግራይ ሃይማኖታዊ ስርዓት ከይፍፅሙ ብፀላእቲ ይግበር ዘሎ ሽርሒ ንኸብቅዕ ትግራይ ዓርሳ ክኢላ ምስ ካልኦት ሃገራት ረኽቢ ብምፍፃም ረብሓታት ኣመንቲ እተረጋግፀሉ ባይታ ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ ኣገንዚቦም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ