Home ዜና ክሳብ 65 ሚእታዊ  ሰራዊት ትግራይ ካብ  መስመር ውግእ ከምዝወፀአ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት...

ክሳብ 65 ሚእታዊ  ሰራዊት ትግራይ ካብ  መስመር ውግእ ከምዝወፀአ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ገሊፆም፡፡

1872

03 ሕዳር 2015 ዓ/ም   ንጋዜጠኛታት  ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ስሳ ክሳብ ስሳን ሓሙሽተን  ሚእታዊ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመራት ውግእ ከምዝወፀ ገሊፆም ፡፡

   ድሕንነት  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ከኣቱ   ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ተግባራት ከምዘይፍፀም ዝገለፁ ዋናኣዛዚ  ሰራትዊት ትግራይ  ሕዚ እውን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዕጡቃት ኣምሓራን ኣብዝተቆፃፀርዎ ከባቢ  ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም፡፡

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ  ኣብ ከይዲ  ሰላም ዘጋጥሙ ውሽጣውን ደጋውን ዕንቅፋታት  ንምፍታሕ  ሰራዊት ትግራይን  ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ኣፍሊጦም፡፡

 ብዓል ዋና እዚ ሰላም ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ምኻኑ እውን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ታደሰ ወረደ ገሊፆምን ፡፡