Home ዜና ክብሪ ጀጋኑ ሰውኣትና ንምብራኽ ንሰርሕ ኣለና፦ ኣመራርሓን ነበርትን ከተማ እንዳባ ጉና

ክብሪ ጀጋኑ ሰውኣትና ንምብራኽ ንሰርሕ ኣለና፦ ኣመራርሓን ነበርትን ከተማ እንዳባ ጉና

780

ዝተዋደደ ልፍንታዊ ፅንተት ዝዓገቱ ጀጋኑ ስዉኣት ኣብ ክብሮምን ኣተሓሕዛ ስድረኦምን ዘላቒ ረብሓ ኣብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ክንሰርሕ ተዳሊና ኣለና ክብሉ ኣመራርሓን ነበርትን ከተማ እንዳባ ጉና ገሊፆም።

ጀጋኑ ስውኣት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ዝተተለመ ዘርኢ ምፅናት ብምዕጋት ኣብ ተነፃፃሪ ሰላም ኮይና ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ቃልሲ ክንሰጋገር ዝገበሩ መርአያ ፅንዓት ብምዃኖም መንግስቲ ኣብ ዘቐመጦም መዓልታት ሓዚናን ፀኒዕናን ናብ ዘይተወገኑ ዕማማትን ውራይ ልምዓትን ብቅልጡፍ ክንአቱ ይግባእ ክብሉ እቶም ወገናት ሓቢሮም።

ጅግንነትን ፅንዓትን ስዉኣትና ዓለም ዘስደመመ እዩ ዝበሉ እቶም ነበርቲ ፤ ንክብሮምን ክብሪ ስድርኦምን ዝምጥን ዘላቒ ረብሓ ዘረጋግፅ ስራሕትን ሓገዝን ብምግባር ዝወደቕሉ ዕላማ ክነተግብር  ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ህዝብን መንግስትን ፣ነቶም እንኮ ሂወቶም ገቢሮም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተማልአ ፅንተት ዘድሓኑ  ጀጋኑ
፣ ኣብ  ሕሉፍ እዋናት ይርኣዩ ዝነበሩ ጉድለት ኣተሓሕዛ  ስድራ ስውኣትን ብምእራም ብሓድነት ክሰርሑ ይግባእ  ክብሉ እቶም ነበርቲ ኣተሓሳሲቦም።

ብጎይትኦም ተከስተ