Home ዜና “ክብርታት ተጋሩ ስኣን ምጥቃም ትግራይ ኣብ ዘይዛሪ ኣዙት ትርከብ” መድረኽ ማ.ል.ት

“ክብርታት ተጋሩ ስኣን ምጥቃም ትግራይ ኣብ ዘይዛሪ ኣዙት ትርከብ” መድረኽ ማ.ል.ት

ማልት ኣብ ባህግን ትግራይ ከምኡ እውን ማሕበራዊ ብራኸ ንኽወፅእ ኣብ ትግራዋይነት ዘተኮረ ዳህሳስ ከካይድ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ሓሳብ ተግባራዊ ክኸውን ድማ ምስ ሰብ ሞያ ሚድያን ኪነ-ጥበብን ዘተ ኣሳሊጡ፡፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቅረበ ኣይተ ነጨ ኣባይ፡- ክብርታት ተጋሩ ስኣን ምጥቃም ትግራይ ኣብ ዘይዛሪ ኣዙት ትርከብ ድሕሪ ምባል ድሕሪት ዘይምኽንያታውነትን ሓላፍነት ዘይምውሳድን መበገሲ ውድቀት ከም ዝኾኑ ኣብሪሁ፡፡ ሓበራዊ ባህጊ ዘይምንፃር እውን ተወሳኺ ፀገም ከምዝኾነ ዝገለፀ ኣይተ ነጭ ንተጋሩ ትኸውን ሓያል ምዕብልትን ዓርሰ ምርኮስኣ ዘረጋገፀት ትግራይ ንክትህነፅ ሰብ ሞያ ሚድያን ኪነጥበብን ልዑል ግደ ከምዘለዎም ሓቢሩ፡፡ ኣብቲ ዘተ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሎም ሓሳባት ቀሪቦም እዮም፡፡ ኣብ 30 ዓመታት ዝተሃነፁ ኣብያተ ትምህርትን ጥዕናን ፋሽሽታወያን መራሕቲ ኢ/ያ ዓንዮም እዮም እዚ ከይድገምን ብራኸ ትግራይ ክጋሃድን ሞያ ሚድያን ኪነጥበብን ህዝቢ ክተንቅሑ ይግባእ ዝበሉ ድማ ተወካሊ ማልት ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ዮም፡፡ ክብርታትናን መሰረት ዓወትናን ውሑስ ማፃኢናን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ እዚ ዋዕላ ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ፖለቲከኛታት መራሕቲ ሃይማኖትን ዲያስፖራ ተጋሩ ዘተ ከምዘካየዱ መርሃ ግብሪ ማልት የመላኽት፡፡ ብኤፍሬም ረደሀይ

1535