Home ዜና ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን መናእሰይ ኣብ ምንቅቓሕ ክሰርሓ ይግባእ -ጀነራል ታደሰ...

ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን መናእሰይ ኣብ ምንቅቓሕ ክሰርሓ ይግባእ -ጀነራል ታደሰ ወረደ።

1773

ቢሮ ትክኒክን ምያን ትምህርትን ስልጠናን ትግራይ ብቫይረስ ኮሮናን ጆኖሳይዳዊ ኲናትን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርትን ስልጠናን ንምጅማር ዝሕግዝ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኮሌጃት ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክራተርያት ሰላምን ፀጥታን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ነቲ  ኩለ መዳይ ሃሰያ ዘተኣናገደ መንእሰይ ስነ ልቡናውን ቁጠባዊ ምንቕቓሕ ብምፍጣር ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ መሪሕ ግድአን ክፍፅማ ይግባእ ኢሉ።

ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝወደቐ ህዝብን መሬትን፣ከቢድ ዕንወት ዝበፀሐን ኮሌጃትን እንተሃለዋና ትምህርትን ስልጠናን ምጅማርና ግና ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኣገዳሲ እዩ ክብላ ዝሓበራ ድማ ሓላፊት እቲ ቢሮ ወይዘሮ ገነት ኣረፈ እየን።

ብክእለት ብኣተሓሳስባ ብፍልጠት ዝተሃነፀ ዜጋ ከይሓዝካ ዝረጋገፅ ልምዓት ስለ ዘየለ ኮሌጃትና  ዝባኸኑ ሕሉፋት ሰለስተ ዓማውትን ቀፀልቲ መደበት ህንፀት ትግራይን ንምግሃድ ብተወፋይነት ክሰርሓ ከም ዝግባእ ዝሓበሩ ድማ ኣብቲ ቢሮ ዳይሮክተሬት ዳይሬክተር ውፅኢት መሰረት ዝገበረ ስልጠና  ኣይተ ገብረጨርቆስ ዮሃንስ እዮም።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ሰልጠንቲ ብግድኦም ብዘለና ናውቲ ተጠቒምናን ሕብረተሰብ ኣላዓዒልናን ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንፍፅም ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ብቫይረስ ኮሮናን ጆኖሳይዳዊ ኲናትን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርትን ስልጠናን ንምጅማር ዝሕግዝ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኮሌጃት ሓለፍቲ ቁጠባ፣ድኣንትን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዘተ ዘሳለጠ ኮይኑ ንተግባራዊነቱ  ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝጥለብ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ሕሉፍ ካሕሳይ