ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይን ፈታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ንጀጋኑ ተጋደልቲ ብፍላይ ድማ ንጀጋኑ ጉዱኣት ኲናትን ስድራ ስውኣትን ትግራይ ግቡእ ክብሪ ተዋሂቡዎም ብዘላቕነት ንምድጋፍን እግሪ ንምትካልን ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ዝጀመረዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ፀዊዑ።ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ኮሚሽን ንዝሓዞም ዕማማት ንምዕዋት ቅድም ክብል ኣብ ባንኪታት ወጋገንን ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳን ሒሳብ ከፊቱ እናተንቀሳቐሰ ከም ዝፀንሐን ሐዚ ድማ እቶም ለገስቲ ኣካላት ብዘይዕንቅፋት ሓገዝ ንክገብሩ ተሓሳቢ ብምግባር ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ባንኪታት ሒሳብ ከፊቱ ከም ዘሎን ኩሉ ነዞም ጀጋኑ ጉዱኣት ኲናትን ስድራ ስውኣትን እግሪ ኣብ ምትካል እጃሙ ከወፊ ሓቢሩ ኣሎ።