Home ዜና ኮርነር ኣመሪካ ዝተባሃለ ትካል ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብምትሕብባር ተቛሪፁ ዝነበረ ኣብ መናእሰይ...

ኮርነር ኣመሪካ ዝተባሃለ ትካል ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብምትሕብባር ተቛሪፁ ዝነበረ ኣብ መናእሰይ ዘተኮረ ኩለመዳያዊ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ስራሕ ብዕሊ ጀሚሩ።

1404

እዚ ትካል 2012 ዓ/ም ጀሚሩ እንተነበረ እውን ብሰንኪ ቫይረስ ኮረናን ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናትን ተቛሪፁ ከም ዝነበረን ሐዚ ድማ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ስሩሑ ብዕሊ ከም ዝጀመረ ኣታሓባበሪ ልእኹቶ ዓለም ለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ ኣብ ኢ/ያ ስኮት ሆክላንደር ሓቢሮም።

ኣብ ዘይተደለዩ ቦታታት ዝውዕሉ መናእሰይ በቢ ዝንባለኦም ፍልጠትን ሞያን ጨቢጦም ንማሕበረሰቦም ዝረብሕሉ ባይታ ንምጥጣሕ መናእሰይ ዝዘናግዕሎምን ዝስልጥንሎምን ናውቲ ተዳልዮም ከምዘለው ብምሕባር ነዚ ሰራሕ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢ/ያ ሙሉእ ድጋፍ ከም ዝገብር ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ፋና ሓጎስ ትካል ኮርነር ኣሜሪካ ንሕውየት ስነ-ልቦና መናእሰይ ዝሕግዝ ስራሕ ምጅማሩ ብምንኣድ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዝሕለፈ ህዝቢ ትግራይ ንምሕዋይ ሓገዝ ግዱሳት ትካላትን ወገናትን ከም ዝጠልብ ብምሕባር ዩኒቨርስቲ መቐለ እውን ኣብ ጎኒ እቲ ትካል ኮይኑ ከም ዝሰርሕ ገሊፀን።

ኣተሓባበሪ ትካል ኮርነር ኣሜሪካ ጨንፈር መቐለ መምህር ሽሻይ ዕቋር ብግደኦም እዚ ትካል ዳግም ናብ ስራሕ ምእታው ካብ ሕውየት ስነ-ልቦና ህፀናትን መናእሰይን ብተወሳኺ ኣብቲ ስልጠና ብልጫ ንዘርኣዩ ሰልጠንቲ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ኣሜሪካ ክረኽቡ ከም ዘኽእል ሓቢሮም።

እቲ ትካል ዝህቦ ዝነበረ ግልጋሎት ተጠቀምቲ ዝነበሩ መናእሰይ ብግደኦም ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዳግም ምኽፍቱ ሕጉሳት ምኻኖም ብምሕባር እቲ ጀሚሮምዎ ዝነበረ ሕልሞም ብምስኻዕ ዘመኑ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ጨቢጦም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ግደኦም ከም ዘበርክቱ ገሊፆም።

ብርሃነ መስፍን