Home ዓለምለኻዊ ዜና ኲናትን ዕግርግርን ብደረጃ ዓለም ውሕስና ምግቢ ከይረጋገፅ ሓደጋ ኮይኑ- ኣልጀዚራ፡፡

ኲናትን ዕግርግርን ብደረጃ ዓለም ውሕስና ምግቢ ከይረጋገፅ ሓደጋ ኮይኑ- ኣልጀዚራ፡፡

90

ብኲናት ሕድሕድ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተሳጢሑ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፤ ኣብ ርእሲ ጥሜቱን ሞቱን መገዛ ዓዱ ግዳይ ምምዝባል ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝን ኮይኑ ምህላዉ ኣልጄዚራ ፀብፂቡ፡፡ብሰንኪ ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሱዳናዊያን፤ ሂወቶም ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተንጠልጠለ ኮይኑ ምህላዉ ዘማላኸተ ፀብፃብ ኣልጀዚራ፤ ስኣን እኹል ሓገዝ በብመዓልቱ ህይወት ህፃናትን ኣዴታትን ይጠፍእ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡

ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ከይበለ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣዝዮም ከም ዝተፀገሙ ዝገልፁ ዘለዉ ትካላት ረዲኤት ብግዲኦም በብእዋኑ ኲናት ደው ክብል ምሕፅንታ ከቕርቡ ይስምዑ ኣለዉ፡፡ንዋና ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ግዝኣታት ዳርፉር፣ ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ዝርከቡ ሱዳናዊያን ኣብ መንጎ ሞትን ሕውየትን ተቐርቂሮም ኣለዉ፡፡

ተናሓናሕቲ ኣካላት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ እንበር ኲናት ደው ክብል ኣይፈቕዱን ዝበለ ኣልጀዚራ፣ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ንሱዳናዊያን ብዝተፈለየ ይጎድኦም ምህላዉ የማላኽት፡፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝርከባ 59 ሃገራት ናብ 282 ሚልዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ንሕፅረት ምግቢ ተሳጢሑ ምህላዉ ዝጠቅስ ዘሎ ውድብ ምግቢ ዓለም ብግዲኡ፤ ኲናትን ዕግርግርን ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ጥሜት የጋድድ ምህላዉ ኣረጋጊፁ፡፡

ብሰንኪ ውግእ ቦኮሓራምን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናጀርያ ዘሎ ዕግርግን፤ ህዝቢ ናይጄርያ ዝተለመደ መዓልታዊ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ኣይረኸበን ዝበለ ፀብፃብ ኣልጀዚራ፤ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ተፀባይ ሓገዝ ኮይኑ ምህላዉ ይጠቅስ፡፡ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ዝተጋደደ እኳ እንተኾነ፤ ካብ ምብራቕ ክሳብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪካ ዘለዉ ከባቢታት ብናይ ባዕሎም ኲናትን ምዝባዕ ተፈጥሮን ግዳይ ጥሜት ኮይኖም ምፅነሖም ዝገለፃ ፕረዝዳንት ሓምለዋይ ለውጢ ኣፍሪካ ኣግነስ ካሊባታ፤ እቲ ፈላማይ ፍታሕ ፀገምካ ምእማንን መፍትሒ ምንዳይን ምዃኑ ሓቢረን፡፡

ኣብ ሓደ ከባቢ ዓለም ዝተዋህለለ ምግቢ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ካሊእ ከባቢ ድማ ዝለሓስ ዝቕመስ የለን፡፡ እቲ ፀገም ተናቢብካን ተረዳዲእኻን ዘይምስራሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሮብ ዋትስ ብግዲኡ፤ ብሰንኪ ዕንቅፅና ሩስያ ካብ ዩክረይን ከይወፅእ ዝተኸልከለ ስርናይ ብምርኣይ ጥራሕ ዓለም ክትሓፍረሉ ይግባእ ይብል፡፡

ብሰንኪ ኲናትን ዕግርግርን፣ ህዝቢ ዓለም ንሓምሻይ ዓመት ውሕስና ምግቢ ከረጋግፅ ኣይከኣለን ዝበለ ውድብ ምግቢ ዓለም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስቓይ ሱዳንን ጋዛን ዝኸፍአ ብርኪ በፂሑ ምህላዉ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ