Home ዜና ኲናት ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ ብኣይተ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ዝምራሕ ጉጅለ...

ኲናት ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ ብኣይተ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ዝምራሕ ጉጅለ ምጥያሹ መንግስቲ ትግራይ ዕላዊ ገይሩ፡፡

971

ክልተ ዓመት ይመልኦ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብዘተ ሰላም መዕለቢ ክረክብ ይግባእ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ መንግስቲ ትግራይ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዕላዊ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ፤ ኣብ ዝካየድ ዘተ ሰላም ኣይተ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ዝርከብዎም ጉጅለ ትግራይ ወኪሉ ከም ዝዛተ ሓቢሩ፡፡

ሓዱሽ ዓመት ብኲናትን ደም ምፍሳስን ዘይኮነስ ፍልልያት ብሰላም ክፍትሑ ፅኑዕ መርገፂ መንግስቲ ትግራይ ምዃኑ ዝሓበረ ደብዳበ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ትግራይ፤ ህዝቢ ትግራይ ግና ሕዚ እውን ኩሎም መራኸቢታት ተዓፅየምዎ ምህላዎም ብምዝኽኻር፤ ክጅመር ዝተሓሰበ ዘተ ሰላም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሮም ዘለዉ ክልከላታት ተፈቲሖም ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተን ዘላቒ ሰላም ብዘስፍንን ኣግባብ ክኸውን ይግባእ ኢሉ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ፍልልያት ብዘተ ሰላም ንክፍታሕ ቀዳማይ መማረፂ ገይሩ ብተደጋጋሚ መግለፅታት ከውፅእ ምፅንሑ ዘዘኻኸረ እቲ ደብዳበ፤ ኣብ ፅላል ሕብረት ኣፍሪካ ኮይንካ ዝግበር ዘተ ሰላም ድማ ዘይሻራውያንን ንኽልቲኦም ወገናት መንጎኛ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰብ ሞያ ክስየሙ ከም ዝግባእን ጠቒሱ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ይፅውዖ ዘሎ ዘተ ሰላም ትግራይ ንምጅማር፤ መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ክጠልቦ ዝፀንሐ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዕላዊ ደብዳበ፤ ክልቲኦም ወገናት ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምስ ምባል ካብ ጎንፂ ቀስቀስቲ ዘረባታት ርሒቖም ብቐፃሊ ንዝግበር ሙሉእ ተኹሲ ደው ምባል ባይታ ክንፀፍ ይግባእ ኢሉ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ