Home ዜና ኵናትን ድርቂን ዝፈጠሮ ጥሜት

ኵናትን ድርቂን ዝፈጠሮ ጥሜት

882

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ዝቕፅል ዘሎ ሰላሕታዊ ፅንተት ሓደጋ ድርቂ ተወሲኽዎ ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሞትን ከምዝርከቡ ነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ገሊፆም፡፡

ንእስቲ ኣበባ ገብሩ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ነባሪት ጣብያ ፀይቀመ እትኸውን ኣዶ ክልተ ቆልዑ እያ፡፡ እዛ ኣዶ ኣብቲ ወረዳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ዝብላዕ ስኢና ህፃውንቲ ደቃ ክትዕንግል ከምዘይከኣለትን ንባዕላ ብሕሱም ጥምየት ኣብ ኣፍ ሞት ከምትርከብ ትዛረብ፡፡

ወ/ሮ ኣብሪሃ ወለደቸኣል ድማ ስድራ ንእስቲ ኣበባ ገብሩ እንትኾና ንሰን እውን ብሰንኪ ኣብታ ወረዳ ኣጋጥሙ ሓደጋ ድረቂ ብጥሜት ኣዝየን ከምዝተጎደኣ ብምግላፅ ህይወተንን ህይወት ንእስቲ ኣበባን ንምድሓን ንስብቆ ዝኸውን ዑኽቲ ሕሩጭ እውን ከምዝሰኣና ገሊፀን፡፡

ኣቦ 7 ቆልዑ ዝኾኑ ኣይተ መብራህቱ ተካልኝ እውን ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ነባራይ ጣብያ ፀይቀመ እንትኾኑ ብስእነት ምግቢ ደቆም ንኣለሻ ምግቢ እግሮም ናብ ዝመረሖም ከምዝተበታተኑ ብምግላፅ እቲ ዘሎ ጥሜት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን እዩ ይብሉ፡፡

እዞም ወገናት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ኵናትን ሐዚ ኣጋጥሙ ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ድርቂን ኣብ ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ወዲቖም ከምዝርከቡ ዝተዛረቡ እንትኾኑ ኣካላት መንግስቲን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ህፁፅ ሓገዝ ክግብርሎም ድማ ይፅውዑ፡፡

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ብሰንኪ ኣጋጥሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዛጊድ ህይወት 83 ወገናት ከምዝሓለፈ ድማ ካብ ምምሕዳር እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብታደለ ዳኘው