Home ዜና ወረዳ ላዕላይ ማይጨው:ምንባር እምነ ሰረት

ወረዳ ላዕላይ ማይጨው:ምንባር እምነ ሰረት

569

ፕሬዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ስየ ብበዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

ነቲ እምነ ሰረት ዘንበሩ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ዓቂብካ ብምቕፃል ህዝብና ብዝተፈላለዩ መሰረታዊ ልምዓት ክንድብስን ክንክሕስን ዝኾነ ዓይነት ኣፈላላይ ልዕሊ ረብሓ ህዝቢ ከም ዘይኾነ ኣሚንና ብሓድነት ክንቃለስ ከም ዝግባእ ፀዊዖም።

እታ ብኲናት ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፕሬዘዳንት ጌታቸው።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኖም በዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዘቐመጦ እምነ ሰረት ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ዝሳገረሉ ኣማራፂ ትምህርቲ ብምባል እዩ ኢሎም።

በዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብወገኖም ዓውደ ትምህርቲ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነው ትካላት ዳግም ንምህናፅ መሰረተ ልምዓት ንምምላእ ኩሉ እጃሙ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ዘርኣዮ መኸተ ኣብ ልምዓት ክድገም ብፍላይ ድማ መራሕቲ  ትግራይ ካብ ሕሉፍ እዋናት ተማሂሮም ነቲ ህዝቢ ብዝምጥን መልክዑን ብሓድነትን ክመርሕዎ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰለሙን መዓሸ ኣብ ፅባሕ መርድእን ሓዘንን ኾይና ነታ ብፀላእቲ ዝዓነወት ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ንገብሮ ዘለና ርብርብ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ብምንኣድ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ናይ ባዕሉ እጃሙ ከበርክት ፀዊዖም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብ50 ሚልዮን ብር ወፃኢ ተገይርሉ ኣብ ዉሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ህንፀቱ  ክዛዘም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ብተወሳኺ ድማ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ካብ ተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ዝተወከሉ ነበርቲ ዞባ ማእኸል ይዝትዩ ኣለው።

ሳራ ኣብርሃለይ