Home ዜና ወራር ሓይልታት ጥፍኣትን ሳዕቤናቱን

ወራር ሓይልታት ጥፍኣትን ሳዕቤናቱን

1151

ወ/ሮ ኣብረሀት ሕሉፍ ይበሃላ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይካድራ ይነብራ ነይረን፡፡ ልፍንታውያን ሓይልታት ጥፍኣት ብኩሉ ኣንፈት ቅድሚ ምውራሮም መረበተን ኣብ ዝኾነ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይካድራ ምስ መላእ ስድርአን ምቁር ህይወት ነይርወን፡፡

ሕዚ ግን ብሰንኪ እቶም ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ህይወተን ተመሳቒሉ ምውቕ ህይወት ስድርአን ቅሂሙ ወላድ መኻን ኮይነን ኮይነን፡፡‘’ሃፍተ ገነት ቤተይ ምሉእ ዘይጉዱል ነይሩ ፡፡ ልዕሊ 50 ከፍቲ፣ ልዕሊ 3 ሚኢቲ ኣባጊዕ፡ ሓንቲ መኪናን ክልተ ጋሪን ነይረናኒ፤ ምስ በዓል ቤተይን 8 ደቀይን ምውቕ ህይወት የስተማቅር ነይረ‘’ ዝበላ እዘን ወላዲት ሕዚ ግና ሽሻይ ቤተን ብሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መላፍንቶምን ተዘሪፉ ጥራይ ኢደን ምትራፈን ይዛረባ፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ መዕቖቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬ ኣዕቒበን ዝርከባ ወ/ሮ ኣብረሀት ኣብ ርእሲ እቲ ዘጋጠመን ሰብ ሰራሕ ፀገማት ከም ፀቕጢ ደምን ኣካላዊ ጉድኣትን ዝበሉ ተወሰኽቲ ሕዱር ሕማማት ተደሪቦመን ረዲኤት ሓሪሙወን ከርፋሕ ህይወት ይመርሓ ምህላወን ተዛሪበን፡፡

ማሕበር ተራድኦ ሕድርን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝገበሩለን ደገፍ ፈልስን ናውቲ ሕርሻን ኣብ መረባ እታ ዝነብራላ መዕቖቢት ኣሕምልቲ ብምልማዕ ህይወተን ንምምራሕ ይፅዕራ ምህላወን ገሊፀን፡፡

ብየማነ ሕሉፍ