Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ንሆስፒታል ዓይደር

ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ንሆስፒታል ዓይደር

73

“ሆስፒታል ዓይደር ነድሕን”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳለጥ ዝፀንሐ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ተቛሪፆም ዝነበሩ ክፍልታት ሕክምና ዳግም ግልጋሎት ክጅምሩ ዝገበረ ዕዉት ወፍሪ ምንባሩ እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጡ።

ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሖ ሃሰያ ንምድሓን”ሆስፒታል ዓይደር ነድሕን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ዕዉት ምንባሩ ኣተሓባባሪ እቲ ወፍሪ ዶክተር ኣከቦም ኪ/ማርያም ይገልፁ።

ብመንግስቲ ዝምደብ በጀት ነቲ ሆስፒታል ዝበፅሖ ዕንወት ክፅግንን ከሕዉይን ስለዘይኽእል ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ግዱሳት ወገናት ብዉልቀን ብዉዳበን ብዝገበርዎ ሓገዝ ንህዝቢ ዝወሃብ ግልጋሎት ንኸይቋረፅ ዓብዪ ግደ ከምዝፈፀሙ ዝሓበሩ ድማ ዳይረክተር ልምዓትን ምሕደራን እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሃ/ስላሰ በርሀን ምክትል ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር መስቀሉ ኪዱን እዮም።

ብፍላይ ኤም ኣር ኣይ ዝተበሃሉ ጠቐምትን ዓበይትን ማሽናትን ካልኦት ኣገደስቲ ናዉቲ ሕክምናን፡ኣድለይቲ ፅገናታት ብምግባር ዝተቛረፁ ግልጋሎታት ሕክምና ከምዝተጀመሩ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ይዛረቡ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ዛጊድ ብሰንኪ ሕፅረት በጀት ኣብ ህንፀት ዘሎ ማእኸል ሕክምና ካንሰር ማሽናት ተዓዲጎም ግን ናብ ግልጋሎት ብዘይምእታዎም ተሓከምቲ ንዘይተደለዩ ወፃእታት ይቃልዑ ከምዘለዉን ነዚ ንምፍታሕ ዝምልከቶም ኣካላት ጠመተ ክገብርሉ ዶክተር ሃይለስላሰ በርሀ ፀዊዖም።

ዛጊድ ብግዱሳት ወገናት ንዝተገበሩ ሓገዛት እቲ ሆስፒታል ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝህብ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብገ/መድህን ተ/መድህን