Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ

ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ

53

ካብ 3 ክሳብ 8 ሰነ 2016 ዓ.ም 2ይ ዙር ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ከምዝውሃብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ ፡፡

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣተሓባባሪ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣይተ መብራህቶም ሃፍቱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቢዎ መግለፂ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ቀደማይ ዙር ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ 1ነጥቢ 7 ሚልዮን ህፃናት ንምኽታብ ትለሚ ተታሒዙ እቶም 1.6 ሚልዮን ህፃናት ክታበት ክረኽቡ ከምዝኽኣሉ ድማ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ካልኣይ ዙር እውን 1 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህፃናት ክትባት ክረኽቡ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎን ዕዉት ዝኾነ ወፍሪ ክታበት ንክካየድ ግደ ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ዝልዓለ ብምዃኑ ኩሉ ተሳትፎ ክገብር ኣይተ መብራህቶም ፀዊዖም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ክልላት ሕማም ኣልምሲ ብስፍሓት ይርአ ብምህላዉ ኣብቲ ወፍሪ ኩሉ ሕብረተሰብ ደቁ ክኽተቡ ብምግባር ጥዕና ስድርኡ ክሕሉ ይግባእ ተባሂሉ።

በላይ ሽፈራው