Home ዜና ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ዓፂድን ምእካብን ዝራእቲ ስድራ ስውኣት

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ዓፂድን ምእካብን ዝራእቲ ስድራ ስውኣት

458

“በዓል ገዛይ ተሰዊኡ! …ግራተይ መን ክዓፅዶ እዩ እናበልኩ ተጋደልቲ ብፆቱ መፅዮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዓፂዶም ኣኪበምዎ” ወ/ሮ ማሾ ገ/ስላሴ ስድራ ስውእ

ኣብ ከባቢታት እምባስነይቲ ዝርከቡ ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ድሕሪ ምዝዛም ብሄራዊ ሓዘን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ወፍሪ ዓፂድን ምእካብ ዝራእትን ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኣብ ወረዳ እምባስነይቲ ዝተፈላለያ ጣብያታት ዝራእቲ ናይ ምዕፃድን ምእካብን ስራሕቲ ዝተሳተፉ ተጋደላይ ሸዊት ለገሰን ተጋዳሊት ገነት ኣብርሃን ምሳና ዝነበሩ ስውኣት ብፆትና ሕድሪ ኣለና እዩ ።

ሕድሮም ከዓ ንስድርኦም ኣብ ኩሉ ስራሕቲ ማእቶት ማእገር ብምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ትግራይ ተሳቲፍና ለውጢ ብምምዝጋብ ክንድብሶም ኢና ኢሎም። ህዝብና ‘ውን ከምቲ ደጀን ኮይኑ ናብዚ ብርኪ ዘብፀሐና ዘብዒ ሰላምን ልምዓትን ክንኮነሉ ደጊምና ቃል ንኣቱ” ክብሉ ገሊፆም።

በቶም ሓይልታት ፀጥታ ዝባፅሐ ዝራእቶም ካብ ዝተዓፀደሎም ኣብታ ወረዳ ጣብያ ዓዲ ኣርጌታ ነበርቲ ዝኾኑ ስድራ ስውኣት ሓንቲ ወ/ሮ ማሾ ገ/ስላሴ እየን፤  አዘን ወላዲት ” በዓል ገዛይ ተሰዊኡ ኣነ ብሕማም ተታሒዘ ! ግራተይ መን ክዓፅዶ እዩ እናበልኩ ክጭነቕ ፀኒሐ ፤ ሐዚ ብፆቱ መፅዮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዓፂዶም ኣኪበምለይ። ሓጎሰይ ወሰን የብሉን ። ገዛይ ከይፅግሞ ዘይኮነስ ህዝበይ ከይግዛእ ከይጭቆን ኢሉ ምእንተ ህዝቡ መስዋእቲ ዝኾነ በዓል ገዛይ ተጋደላይ ይርጋለም ከበደው ዳርጋ ብህይወት ዘሎ መሲሉ ተሰሚዑና ሳላ ብፆቱ ጨረው ኣይበልኩን ” ድማ ይብላ።

ቀሺ ፍቕረ ኣለነ ነባሪ ጣብያ ዓዲ ሂደንን ኣይተ ገ/መስቀል ግርማይ ድማ ነባሪ ጣብያ ማይነብሪን ኢዮም “እዞም ጀጋኑ ተጋደልቲ  ምእንተ ዓዶምን ህላወ ህዝቦምን መስዋእቲ ንምዃን ዘየድሐርሐሩ ፣ ዓውዲ ስውኣት ብፆትኩም ኣክቡ ተባሂሎም ሰጋእ ከይበሉ ከምዝወፍሩ ንፈልጥ ኔርና ኢና ግን ብሓደ ግዜ ንኹላትና ክበፅሑና እዮም ኢልና ኣይገመትናን፣ ብዘይኣፋላላይ ንኩላትና ስድራ ስውኣት ተኸፋፊሎም ዓፂዶም ኣኪቦምልና፣ ንሕና ማይ ጥራሕ እና ኣቕሪብናሎም ቀለቦም ሒዞም እዬም መፂኦም ስለዚ ደቅና ዳርጋ ዘይተሰውኡ ኮይኑ ተሰሚዑና ክብረት ይሃበልና” ክብሉ ኣመስጊኖም።

ወኪል ምምሕዳር ወረዳ እምባስነይቲ ኣይተ ኣፈወርቂ ገ/ጀወርግስ “ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ናብ ኩለን ጣብያታትና ተዋፊሮም ፅጉማት እናሓገዙ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ሎሚ 8-02-2016 ዓ/ም ድማ “ሓደ ስድራ ስውእ ምህርቱ ምእካብ ክፅገም የብሉን “ብዝብል ተበግሶ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ቁሸታትና ሸፊኖም ኣብ ምሕጋዝ ይርከቡ ምስ በሉ ህዝባውነትን ሕድሪ ሰማዕታት ብፆቶምን ብተግባር ኣብ ምፍፃም ይርከቡ ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ኣመራርሓ ሓይልታት ፅጥታ እቲ ከባቢ ዝኾነ ተጋደላይ ፀሃየ ተኽላይ “ስውኣት ብፆትና ምእንተ ህላወና ክቡሉ እንኮ ዘይትድገም ህይወቶም ገቢሮም እዮም ንሕና ከዓ ናቶም ቃል ብተግባር ንምፍፃም ካብ ዕለተ ብሄራዊ መርድእ ጀሚርና ናብ ሕድሕድ ቁሸታት ተበቲና ህዝብና እናፅናዕናዕና ቀኒና ኢና ምስ በሉ ሎሚ ድማ ብወፍሪ ኣብ ወረዳ እምባስነይቲ ፣ከተማ ሓውዜንን ወረዳ ሓውዜንን ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ምህርቶም ከይባኽን ገደል ፣እምባ በረኻ ከይበልና ናይባዕልና ቀለብ ሒዝና ብምኻድ ህዝብና ነገልግል ኣለና ኢሉ።

ፍልፍል – ኣሰፋ ፍትዊ ካብ እምባስነይቲ