Home ዜና “ዉዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፈልጥ እየ፤ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ዝርከቡ...

“ዉዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፈልጥ እየ፤ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ዝርከቡ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ከምዝምለሱ ድማ እምነት ኣለኒ” ሚንስተር ዲኤታ ሚንስትር ትምህርቲ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍሌ።

563

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣቋሪፀን ዝነበራ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዳግም ንምጅማር ተምሃሮአን ኣብ ምቕባል ይርከባ።

ይኹን እምበር ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ገለ ክፋል ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ፣ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘለዉ ኣብዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ተመሊሶም ንምምሃር ዕድል ኣይረኸቡን።

ኣብ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተረኸቡ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍሌ ግደ ሚኒስትር ትምህርቲ ኣብ ምምላስ እዞም ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዘለዉ ተምሃሮ እንታይ ከምዝኾነ ሓቲትናዮም፣ ብመሰረት ዉዕሊ ፕሪቶርያ እቶም ተምሃሮ ናብ ትምህርቲ ንኽምለሱ መንግስቲ ፌደራል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

“ዉዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፈልጥ እየ፤ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኮይኖም ናብ ትምህርቲ ዘይተመለሱ ተምሃሮ ክምለሱ ንደሊ ኢና፣ መንግስቲ ፌደራል ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ኣብ ሓፂር እዋን ተዛዚሞም ናብ ትምህርቶም ከምዝምለሱ ድማ እምነት ኣለኒ” ይብሉ ዶ/ሳሙኤል።

ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ዘለዋ ኣርባዕቲኤን ዩኒቨርሲታት እቲ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት፥ ስዒቡ ተምሃሮአን ክብትና ተገዲደን እየን፤ ኣብ ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ እናተምሃሩ ዝፀንሑ ተምሃሮ እዉን ኣብ ትግራይ ተዓፅዮም ክመሃሩ ኣይከኣሉን።

እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መፅናዕቲ እናተኻየደ ከምዝፀንሐን ሕዚ እቶም ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ብኸመይ ክመሃሩን ክምረቑ ከምዘለዎምን ብዝፈትሕ ኣገባብ መፍትሒ ተቐሚጡ ናብ ተግባር ከምዝእቶን እዮም ዝገልፁ ዶ/ር ሳሙኤል።

” ድሕሪ እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት ዝተመደቡ ተምሃሮ ኣለዉ፤ ኣብ ካላኦት ፀኒሖም ኣብዚ ዝተዓፀዉ እዉን ኣለዉ፤ ብዙሓት ኣሽሓት ድማ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ዘይተምሃሩ ኣለዉ።

ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ን12 ክፍሊ መልቀቂ ፈተና ዘይተውሃበላ ትግራይ፣ ኣብ ዝቕፅል መስከረም ከምዝጅምር እዉን ሓቢሮም።

“እቶም ኣብ 2012 ዓ.ም ክፍተኑ ዝነበሮም ኣብ ዝቕፅል መስከረም መወዳእታ ክፍተኑ እዮም፤ ቀፂሎም ዝፍተኑ ድማ ኣብ ታሕሳስ ወይ ጥሪ፣ ቀፂሎም ዝፍተኑ እዉን ኣብ ሰነ ወይ ሓምለ ክፍተኑ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ። ብሓፈሽኡ ኣብ 2016 ዓ.ም ሰለስተ ግዘ ፈተና ክወሃብ እዩ” ክብሉ እዮም ዘብርሁ።


እቶም ዘይተምሃሩ ብመንገዲ ስሉጥ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘከሓሕስሉ መንገዲ ምስተን ዩኒቨርሲታት ተረዳዲእና ኣለና፤ እቶም ኣብዚ ጀሚሮም ብደሓር ናብ ካልእ ዝተመደቡ ተምሃሮ ዝወሰዱዎም ዓይነት ትምህርትታት (ኮርስታት) ብኸመይ ይወሃቡ ብኸመይ ይምረቑ፣ እቶም ኣብዚ ተዓፅዮም ናብ ዝመሃሩለን ትካላት ከይከዱ ዝተረፉ እዉን ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ክመሃሩሉን ተመሪቖም ዝወፁሉን መንገዲ ንምፍጣር ዘኽእል መፅናዕቲ ወዲእና ኣለና፤ ናብ ተግባር ክንኣቱ ኢና” ኢሎም።

ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ዓብዪ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ዘብርሁ እቶም ሚንስተር ዲኤታ፣ መንግስቲ ፌደራል ንዳግመ ህንፀት ካብ ዝምድቦ በጀት ዝለዓለ ብፅሒት ኣብ ትምህርቲ ክኸዉን ፅዕንቶ ከምዝፈጥሩ እዉን ሓቢሮም።

” ኩሉ ብሓደ ግዘ ክማላእ እዩ እኳ እንተዘይተብሃለ፣ መንግስቲ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ምምላእ፣ መፃሕፍቲ ኣብ ምምላእ፣ መምህራን ክማልኡ ኣብ ምግባር ቱኽረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ እዩ” ኢሎም ዶ/ር ሳሙኤል ክፍሌ።

ተስፋዝጊ ዓስበይ