Home ዜና  ዉዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ክልቲኦም ተደራደርቲ ኣካላት ወፅዩ ብሕብረት ኣፍሪካ ክምራሕ ተወሲኑ ።

 ዉዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ክልቲኦም ተደራደርቲ ኣካላት ወፅዩ ብሕብረት ኣፍሪካ ክምራሕ ተወሲኑ ።

766

      ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ተፈሪሙ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፈፃፅምኡ የጋጥሙ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ንምፍታሕ ካብ ክልቲኦም ተደራደርቲ ኣካላት ወፅዩ ብሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነት ክፍፀም ከም ዝተወሰነ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ተዛመድቲ ወቕታዊ ኩነታት ትግራይን ኣድሂቦም መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ከቢኔ ሴክሬታርያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ቶኽሲ ደው ዘበለን ነዚ ስዒቡ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ትግራይ ዘምፀኦም ዉሱናት ምዕባለታት ዝናኣዱ ኳ እንተኾኑ ብመሰረት እቲ ዉዕሊ ካብ ሓይሊ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ብዘይምውፀኦም ንተግባራውነት እቲ ዉዕሊ ዓብይ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎ ኣብሪሆም ።

ሰራዊት ትግራይ ብመሰረት ዉዕሊ ፕሪቶርያ ከበድትን ማኸለዎትን ኣፅዋራት ከም ዝፈተሐ ዝገለፁ  ምክትል ፕረዚደንት  ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስዚ ጎናጎኒ  ክካየድ  ዝግበኦ ዝነበረ ፖለቲካዊ ልዝብ ክሳብ ሐዚ ዘይምጅማሩ  ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይትግበር ካሊእ ተወሳኺ ማሕለኻ  ኮይኑ ከም ዘሎ ገሊፆም ።

ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌ.ደ.ሪ.ኢ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከም ዘለዎን ኣካል ዉዕሊ ፕሪቶርያ ከም ዝኾነን ዝሓበሩ እቶም ምክትል ፕረዚደንት ብወገን መንግስቲ ፌደራል ተሓሲቡ ዘሎ ሪፈረንደም ናይ ምክያድ ጉዳይ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ተቐባልነት ከምዝይብሉ ኣገንዚቦም ።

 መንግስትን ህዝብን ትግራይ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይወዓል ሕደር ክትግበር ብዙሓት ፃዕርታት ኣካይዶም`ዮም ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ  ይኹን እምበር ዝካየዱ ዝነበሩ ክልተኣዊ ስምምዓት ናብ ጭቡጥ ተግባር ብዘይምስግጋሮም  ብሳልሳይ ወገን ማለት ዉን ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ  ክፍፀም ከም ዝተወሰነ ገሊፆም ።

እሞ ኸ   ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ  ናብ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ልዝብ ይኣቱ ዘሎ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ቀፃሊ ዕድሉ እንታይ ይኸውን? ግዘ ዝምልሶ ዩ ።

  ብ ዮሃንስ ብርሃነ