Home ዜና ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀም ኣደራደርቲ ኣካላት ግቦኦም ክፍፅሙ ይግባእ ፡ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ...

ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀም ኣደራደርቲ ኣካላት ግቦኦም ክፍፅሙ ይግባእ ፡ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ

512

ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክፍፀም ኣደራደርቲ ኣካላት ግቦኦም ክፍፅሙ ይግባእ ፡ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ

ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ኣደራደርቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም ።

 ህዝቢ ትግራይን ተጋዳላይ ትግራይን ንመንነቱን ሃለዋቱን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ከይዲ  ድርድር ሰላም በፂሑ ዩ  ።

እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ ሕርይኡ ሰላም ብምዃኑ ዝተረኸበ ኳ እንተኾነ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ክሳብ ሐዚ ብዘይምትግባሩ ሐዚ ዉን ህዝቢ ትግራይ ይፀንት ኣሎ ሰለዚ ኣደራደርቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ ይብል ካብ ላዕለዎት ኣመራራሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሓደ  ዝኾነ ተጋዳላይ ኣብርሃ ተስፋይ ድንኩል ።

ንዉዕሊ ፕሪቶርያ ዘደራደሩ ኣካላትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንተግባራዊነት እቲ ዉዕሊ ብዘይወዓል ሕደር ክፍፅምዎን ቀፃሊ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ግድን ዩ ፡ እንተዘይኮይኑ ሃለዋትካ ንምርግጋፅን ከም ህዝቢ ክትነብርን መፍትሕታት ምቕማጥ የድሊ ዝበለ ድማ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ሓደ ዝኾነ ተጋዳላይ ህንፃ ወልደጊዮርግስ ዩ ።

ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዘይምትግባሩ ከይኣክል ፖለቲካዊ ፀገማት ተወሲኹዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፈአ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ወዲቑ ይፀንት ስለዘሎ ኩሎም ዉዳበታት ምስ ህዝቢ ትግራይ ብነፃን ግልፅን ኣብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ  ኩነታት ሰፊሕ ልዝብ የድሊ `ዩ ዝበለ ድማ ተጋዳላይ ገብረስላሴ ባህታ ዩ ።

ከይዲ ትግበራ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብፍሉይ ቆላሕታ ክምራሕን ክትግበርን ግድን ይኸዉን ዝበሉ እዞም ኣመራርሓ ኣብዚ መዳይ ድማ ህዝቢ ብዘሳተፈ እንተተመሪሑ መፃኢ ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ብሩህ ዩ ክብሉ ገሊፆም ።

ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምዉሓስ ህልዉና ህዝቢ ትግራይ ምቕፃል ዩ ዝበሉ ተጋዳላይ ህንፃ ወልደጊዮርግስን ተጋዳላይ ኣብራሃ ተስፋይን ንትግራይ ዘድልያ ዝተወደበ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ዩ ድሕሪ ምባል ፡ ብፍላይ ድማ ዝተወደበ  ፖለቲካዊ ዓቕሚ ትግራይ  ምህላው ይካየድ ኣብ ዘሎ  ፖለቲካዊ ልዝብ ዉሕስና ህዝቢ ትግራይ ብምርግጋፅ  ሓድነትካ ዓቂብካ ንኽትከይድ ቁልፊ መፍትሒ `ዩ ኢሎም ።

ኣብ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ወሰንቲ ነጥብታት ክሳብ ሐዚ ብዘይምትግባሮም ካብ ተደራደርቲ ኣካላት ወፅዩ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ክፍፀም ኣደራደርቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ፖለቲካዊ ዘተ ምጅማሩ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ 28 ለካቲት 2016 ዓም ኣብ ኣብ ኤክስ ድረገፆም ምጥቀዖም ይፍለጥ ።

    ብዮሃንስ ብርሃነ