Home ዜና ዋጋ መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ዝገሃድ ዝተሰውኡሉ ዕላማ እንትትግበር እዩ !!

ዋጋ መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ዝገሃድ ዝተሰውኡሉ ዕላማ እንትትግበር እዩ !!

639

ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ኣብ ሽቶኡ ዝበፅሕ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ እንትምለስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ እንትዕቀብን እዩ ክብሉ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወኣፅበሃ ኣኽሱም ዝርከባ ኣዴታት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወ/ሮ ጉልበቴ ገብረህይወትን ወ/ሮ ሽሻይ ከኣሎምን፤ ሓይልታት ፅንተት ካብ መረበተን ኣመዛቢሎም ክሳብ ሐዚ ኣብ ከቢድ ፀገም ንኽነብራ ተገዲደን እኳ እንተሃለዋ  ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእትን መጉዳእቲ ኣካልን ክሳብ ሎሚ ብህይወት ምህላወን ገሊፀን።

ይኹን እምበር ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኩሉ ተመዛባሊ ናብ ዝፈትዎ መረበቱ ክምለስ ተስፋ ሒዘን እኳ እንተነበራ እዚ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ግና ሐዚ እውን ኣብ ከቢድ ፀገምን ዓፀባን ምህላወን ሓቢረን።

ምእንተ ህላወ ህዝቦምን ሉዓላዊ ክብሪ ዓዶምን ክብሉ መስዋእትን መጉዳእቲ ኣካለን ዝኸፈሉ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ትግራይ ዝድበስ ዕላመኦም እንትትግበር እዩ ዝበላ እዘን ኣዴታት፤ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ እውን እቲ ሓደ ዕላመኦም ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣካላት ተመዛበልቲ ካብ ዘለውሉ ከቢድ ፀገም ኣውፂኦም ናብ መረበቶም ክምልሱ ፀዊዐን።

ኣተሓባባሪ ፀጥታ እቶም ተመዛበልቲ ኮማንደር ብርሃነ ኣበራ በቲ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ካብ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ካብ ሞት ተሪፎም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ክሳብ 50 ሰባት ተጨናኒቖም ከርፋሕ ናይ ዓፀቦ ናብራ የሕልፉ ከምዘለው ብምግላፅ ብጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ትግራይ ብዝተረኸበ ተነፃፃሪ ሰላም መንግስታት ክልልን ፌደራልን ናብ መረበቶም ክምልስዎም ፀዊዖም።

#ሳሙኤል ገብረታትዮስ