Home ዓለምለኻዊ ዜና ውድቀት ሰብኣዊ ተልእኾ ኣብ ትግራይ

ውድቀት ሰብኣዊ ተልእኾ ኣብ ትግራይ

66

ኣብ ኵናት ትግራይ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓላፍነተን ኣይተዋፅኣን ኢሉ ዩ ኤን ኦቻ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ሓደጋ ፅንተት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፤ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ትፅቢት ዝግበረለን ሓላፍነተን ከም ዘይፈፀማ ኣተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ገይሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኣተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤድ ሸንከንበርግ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ 3 ዓመታት፤ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ልኡኸን ምፍፃም ብኣጀንዳ ካልኦት ኣካላት ክተዓናቐፋ ከምዝኸኣላ ገሊፆም፡፡

መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት፣ ዘይምውዳድ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ጉድለት ክትትል ማሕበረሰብ ዓለምን ምኽንያት ውድቀት ልኡኽ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ትግራይ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ዳይሬክተር፤ እዚ ድማ ብኲናት ኩሉ ንብረቱ ኣብ ዝሰኣነን ብፆታዊ ዓመፅ ኣብ ዝተሳቐያ ደቂ ኣንስትዮን ተወሳኺ ገበን ከም ምፍፃም እዩ ክብሉ ገሊፀምዎ፡፡

ብዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕ ንምውዳድ ተጀሚሩ ምንባሩ ዘዛኸኸሩ እቶም ዳይረክተር ፤ ብሰንኪ ዝተዋደደ መንግስታዊ ሽርሒ ተጣይሹ ዝነበረ ኮሚቴ ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዘይፈፀመ ኣፍሊጦም፡፡

#ብገ/ሄር_ሃይሉ