Home ስፖርት ውድድር ብሽክሌታ ኣብ ከተማ ኣኽሱም

ውድድር ብሽክሌታ ኣብ ከተማ ኣኽሱም

95

ብባንኪ ወጋገን ዝተመወለ ቅድድም ብሽክሌታ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ምክያድ ጀሚሩ። ሎማዓንቲ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ 30 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ከተማ ማውንቴን ደቂ ኣንስትዮ ኢለኒ ብርሃነን በላይነሽ ደስታን ክልቲአን ካብ ፕሮጀክት ሙሉብርሃን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን። ራህዋ ወልደገብሪኤል ካብ ከተማ ኣኽሱም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ። 40 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ማውንቴን ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብርቱዕ ንሕንሕ ዘተኣናገደን ብተሳትፎ እውን ዝሓሸ ቁፅሪ ተወዳደርቲ ዝተረኣየሉን ነይሩ።

ለገሰ ሰለሙንን ተወልደ ወልደስላሰን ክልቲኦም ካብ ፕሮጀክት ሙሉብርሃን ቀዳማይን ኻልኣይን ደረጃ ብምሓዝ እንትዕወቱ ነጋሲ በሪሁ ካብ ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓዲግራት ድማ ሳልሳይ ደረጃ ወፂኡ።ብጋንታ ድምር ውፅኢት ፕሮጀክት ሙሉብርሃን፣ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓዲግራትን ራይት ማይ ዓዲግራትን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን። ጋንታ ሙሉብርሃን ብኽልቲኡ ፆታ ብምዕዋት ብተመልከቲ ናእዳ ረኺባ። 50 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ፅጌ ካሕሳይ ካብ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ቀዳመይቲ ወፂኣ።

ቤቴሊሄም ዳኒኤል ካብ ትራንስ ኢትዮጵያን ራሄል ታመነን ካብ መስፍንን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ዝሓዛ ብሽክሌተኛታት እየን።ብጋንታ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ተዓዊታ። ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ 70 እንደርታን ኻልኣይን ሳልሳይን ወፂአን።እቲ ራብዓይ ውድድር እዚ ዕለት ድማ 60 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተረኣየሉን ቀልቢ ተመልከቲ ዝሰሓበን ውድድር ኮርሶ ደቂ ተባዕትዬ እዩ ነይሩ። ፀጋዝኣብ ብርሃነ ካብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ኣብ ቅድሚት ኾይኖም ይሕምበቡ ካብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ትራንስ ኢትዮጵያ ፈንፂሑ ብምውፃእ ኣብ ናይ መወዳእታ ቮላታ ተዓዊቱ። ናይዚ ዓመት ፈላማይ ዓወቱ ኾይኑ ድማ ተመዝጊብሉ።

ልዑል ንሕንሕ ካብ ዘርእዩ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ሓደ ዝነበረ ኣማኑኤል ሃይለሚካኤል ካብ ትራንስ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። ዳኒኤል ጠዓመ ካብ ጋንታ ፋብሪካ መድሓኒት ወልዋሎ ኣዲስ ሳልሳይ ደረጃ ዝወፀ ብሽክሌተኛ እዩ። ብጋንታ ድማ ጉና፣ወልዋሎን ትራንስን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን። ተመልከቲ እውን ድምቀት እቲ ውድድር ነይሮም።እቲ ውድድር ብማውንቴን ኮርሶን ብኽልቲኡ ፆታ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን ካብ 13 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ ናይ ከተማን በረኻን ውድድር ክቕፅል እዩ።

ገ/ሄር ታደለ