Home ዜና ውፅኢት ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይን ምሕላፍ ረቂቅ ሕጊ HR6600 ን S3199

ውፅኢት ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይን ምሕላፍ ረቂቅ ሕጊ HR6600 ን S3199

ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀምን ዘሎ #ጀኖሳይድ ጠጠው ንክብልን እቲ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ድማ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ዓሊሙ ዝቀረቡ ረቂቅ ሕጊ HR6600 ን S3199 ንክፀድቅ ቃልሶም ኣጠናኪሮም ከም ዝቅፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡ እቲ ብኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቀረበ ረቂቅ ሕጊ ንክፀድቅ ፀቅጢ ንምፍጣር ዓሊሞም ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ዝነበሩ ዲያስፖራ ትግራይ ተቀማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ካልኦት ከባብታትን እውን S3199 ምሕላፉ ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎም ኣሎ፡፡ ዲያስፖራ ትግራይ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝኣወጅሉ እዋን ጀሚሮም ድምፂ ህዝቦም ንምኳን ዓሊሞም ቃልሲ እናካየዱ እንትኮኑ ናይዚ መቀፀልታ ድማ ኣብ ትግራይ ተጠናኪሩ ዝቅፅል ዘሎ ተግባር ጀኖሳይድ ጠጠው ንክብልን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ገበን ዝፈፀሙን ዘፈፅሙን ኣካላት ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ዝሕግዝ HR6600 ን S3199 ንክፀድቅ እናተቃለሱ እዮም፡፡ እቶም ስልፈኛታት ሰልፊ ኣብዝገበርሉ እዋን እቲ ብኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቀረበ ረቂቅ ሕጊ S3199 ንክፀድቅ ምሕላፉ ቃልሶም ውፅኢት ብምምፅኡ ዓብዪ ሓጎስ ፈጠርሎም እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ፖርት ላንድ ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ እውን HR6600 ን S3199 ንክፀድቅ ፀቅጢ ንምፍጣር ሰላማዊ ስልፊ ዘካየዱ እንትኮን እቲ ሰልፊ ዘካየድሉ እዋን S3199 ምሕላፉ ሓጎሶም ገሊፆም እዮም፡፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ እዞም ክልተ ረቂቅ ሕግታት ንክፀድቁ ብሓፈሻ ድም ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀምን ዘሎ ጀኖሳይድ ጠጠው ንክብል ቃልሶም ኣጠናኪሮም ክቅፅሉ ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡ ብፅርይቲ ሓረጎት

1289