Home ዜና ዑደት ልኡኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ትግራይ

ዑደት ልኡኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ትግራይ

716

ብሚኒስተር ዲኤታ ሚንስትር ኢንዳስትሪ ፌዴራል ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ዝዓነዉ ኢንዳስትሪታት ንምዕዛብ መቐለ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ምስ በፅሐ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣቀባብላ ተገይርሉ። ቀፂሉ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ኢንዱስትሪ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ብኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዳስትሪን መፍረይትን ኢንተርፕራይዝ ልምዓት ኢ/ያን እዉን ዝተሳተፉ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ናብ ዝተፈሊለዩ ከባቢታት ተጓዒዞም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝኻየደ ኲናት ዝዓነዉ ትካላት ኢንዱስትሪ ተዘዋዊሮም ከም ዝዕዘቡ ተሓቢሩ።

#ኢየሩሳሌም ገ/መድህን