Home ዜና ዑደት ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ዉቕሮ

ዑደት ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ዉቕሮ

1211

ብኣይተ ኣደም ፋራሕ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራልን ርእሳነ ምምሕዳራት ክልላትን ኣብ ትግራይ ዕላዊ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትዩ ይርከብ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዕላዊ ዑደትን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳርን ዘተ ንምግባር ሎሚ ንጎሆ መቐለ ዝኣተወ ልኡኽ ብፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ኣባላት ካብኔ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኾኑ ካልኦት ላዕለዎት ፖሎቲካዉን ወታደራዉን ኣመራርሓን ተመሪሑ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ፋብሪካ ሸባ ሌዘርን ፋብሪካ እምነ በረድ ሰማያታን ዑደት ይገብር ኣሎ ።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣልዒሉ ምስ ኣመራርሓ ግዜያዊ ምምሕዳር ክዝቲ ምዃኑ ኣብቲ ዝወፀ መርሃ ግብሪ የመላኽት።

ተኽለወይኒ ኪዳነ