Home ዜና ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን

ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን

546

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ውፃኢ ኣሜሪካ ሎሚ 22 ግንቦት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ካብ 23 ጀሚሩ ክሳብ 29 ጉንበት ኣብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ፃንሒት ከም ዝገብሩ ኣፍሊጡ።

ማይክ ሃምር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ናብ ትግራይ ብምጉዓዝ ኣብ ዙርያ ትግበራን ኣፍፃፅማን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ፣ ስግግር ፍትሕን ተሓታትነትን ኣድሂቦም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝዝትዩ እዉን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ጉዕዞ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝሳለጥ ፎሮም ፀጥታ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ጅቡቲ ከም ዘምርሑ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ጅቡቲን ምስ ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ/ኢጋድ/ ዶ/ር ወርቅነህ ገበዮህን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዉን ዞባዉን ጉዳያት ከምዝዝትዩ ተፈሊጡ።

ብተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ