Home ዜና ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት ኣራዕን ደውሃንን ንዝርከቡ 281...

ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት ኣራዕን ደውሃንን ንዝርከቡ 281 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ ክልተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ሓጊዙ።

853

ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት ኣራዕን ደውሃንን ንዝርከቡ 281 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ ክልተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ሓጊዙ።

ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰብ ፣ ንብረትን እንስሳን ብዘብፅሖ ጉድኣት ህይወቶምን ህይወት ሰድርኦምን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሖም ምፅንሖም ዝገለፁ ተሓገዝቲ ወገናት ነቲ ዘሎ ህልው ፀገም ብምግንዛብ ካልኦት እውን ንዝተረፉ ወገናት ክሕግዙ ፀዊዖም።

ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ብዘካየዶ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ዘየብፅሖ ግፍዒ ከምዘየለ ኣብታ ወረዳ ነበርቲ ጣብያታት ኣራዕን ደውሃንን ተዛሪቦም።

ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ እውን እንተኾነ ነቲ ካብ ጨፍጫፍ ዝተረፈ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ክመፀልና ኣይከኣለን ዝበሉ እቶም ነበርቲ ነቲ ህልው ፀገም ብምግንዛብ ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ንዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን ከምኦም ዝበሉ ፅጉማት ንኽሕገዙ ካልኦት እውን ክሕግዙ ተላብዮም።

ዝመፅእ ነበረ ምግባዊ ሓገዝ ብምቁራፁ ብዙሕ ሰብ ይሞት ኣሎ ፣ ነዚ ንምክልኻል ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት  ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ቀሪፁ ይሰርሕ ኣሎ ዝበሉ ኣብቲ ትካል ኣካያዲ ስራሕ ውሕስና ምግብን መነባብሮን ህዝቢ ኣይተ ኣለም ብርሃነ ካብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት ኣራዕን ደውሃንን ንዝተመልመሉ 281 ፅጉማት መራሕቲ ስድራ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝተወሃበ ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ኣብ ዞባታት ምብራቕን ማእኸላይን ዝርከባ አርባዕተ ወረዳታት ኣብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን መነባብሮን ፣ ትምህርትን ስነ-መዓዛን ኣብ ምንጣፍ ከምዝርከብ ኣይተ ኣለም ብርሃነ ሓቢሮም።

 ብገ/መስቀል ኪሮስ